ሃገራዊ መርመራ 8ይ ክፍሊ/ጀነራል፡ ካብ 8 ሰነ ጀሚሩ ኣብ ኩለን ዞባታት ሃገርናን ኣብ ስዑድያን ሱዳንን ይወሃብ ኣሎ።

እዚ ክሳብ ሎሚ 10 ሰነ ዝቕጽል ሃገራዊ መርመራ፡ 397 ኣብያተ-ትምህርቲ ኣብ ዝርከባአን 430 ነቑጣታት ዝካየድ ዘሎ ኰይኑ፡ 5 ዓይነታት ትምህርቲ – ቊጽሪ፡ እንግሊዝ፡ ማሕበራዊ ትምህርቲ፡ ትምህርቲ ዜግነትን ስነ-ፍልጠትን ዘጠቓልል እዩ።

እቲ ፈተና፡ ኣብ ስዑዲ ዓረብ ኣብ ክልተ ነቚጣታት ሪያድን ጅዳን፣ ኣብ ሱዳን ድማ ኣብ ከሰላ ይወሃብ ኣሎ።

ኣብ ናይ ሎሚ ዓመት ሃገራዊ መርመራ 8ይ ክፍሊ ካብ ዝሳተፉ 56,558 ተመሃሮ፡ እተን ኣስታት 48 ሚእታዊት ደቂኣንስትዮ ክዀና እንከለዋ፡ ጠቕላላ ቊጽሪ ተፈተንቲ ምስ ናይ ዝሓለፈ ዓመት ክነጻጸር እንከሎ ብ11 ሚእታዊት ይዓቢ።

ተፈተንቲ፡ ኣብ ስሩዕ መኣዲ ትምህርቲ ዝጸንሑ፡ ብምሸታዊ ዝመሃሩ ዝነበሩ፡ ከምኡ’ውን ኣባላት ሓይልታት ምክልኻልን ኣብ ኣገልግሎት ተሃድሶ ሰምበል ዝርከቡን እዮም።

Categories