ማሕበር ምትሕግጋዝ ኣባላት ቀዳማይ ዙርያ ሃገራዊ ኣገልግሎት፡ ሓምላይ ወፍሪ ንምዕዋት – ብ5 ሰነ ኣብ ከባቢ ማይ-ድምነት ናይ ልምዓት ማእቶት ኣካዪዶም።

እቲ “ሎም’ውን ከም ትማሊ – ኣብ ኣሰሮም’’ ብዝብል ቴማ ዝተኻየደ ወፈራ፡ ኣብ ምስራሕ ቅናታዊ ዛላታት ዘተኰረ ኰይኑ፡ ኣብ’ቲ ዝሓለፈ ክራማት ብደረጃ ሃገር ዝተበገሰ ወፍሪ ኣበርክቶ ንምግባር ዝዓለመ ምዃኑ፡ ኣወሃሃድቲ ናይ’ቲ መደብ ገሊጾም።

ከልምዕዎ ኣብ ዝተዋህቦም ቦታ ንዝተኽልዎ ፈልሲታት ኣግራብ – ኣብ’ቲ ዝድለ ደረጃ ክሳብ ዝበጽሕ፡ ክከናኸንዎ ምዃኖም ድማ ቃል ኣትዮም።

ኣብ ምኽባር ልኡላውነት ዝሰንከለ ሚካኤል መሓሪ፡ “ብክቡር ዋጋ ዝመጽአትን ዝተዋሕሰትን ሃገር፡ ሎሚ’ውን ብረሃጽ ጀጋኑ ደቃ – ሓምላይ ግርማኣ ከምዝምለስ ዘጠራጥር የለን” ክብል ገሊጹ።

ሓላፊ ጨንፈር በዓል-ስልጣን ኣግራብን እንስሳ ዘገዳምን ዞባ ማእከል፡ ኣቶ ኣብርሃም ተኽሉ፡ ከም መቐጸልታ ናይ’ተን ዓሚ ኣብ ከባቢ ማይድምነት ተመሳሳሊ መደባት ዝተግበራ 19 ትካላት መንግስቲ፡ ሃገራውያን ኩባንያታትን ማሕበራትን፡ ሎሚ ዓመት እውን – 8 ተወሰኽቲ ትካላት ከምዝወፈራ ብምሕባር፡ ኣባላት ቀዳማይ ዙርያ ሃገራዊ ኣገልግሎት ንዝወሰድዎ ተበግሶ ሞጒሱ።

Categories