ኣብ ንኡስ ዞባ ላዕላይ-ጋሽ፡ ከም ኣካል ናይ’ቲ ማሕበረ-ቁጠባዊ መነባብሮ ደቂኣንስትዮ ንምምሕያሽ ዝካየድ ዘሎ ጻዕሪ፡ ሃገራዊ ኮንፈደረሽን ሰራሕተኛታት ኤርትራ ኣብ ዝወደቦ ናይ ቅዲ ክዳንን ሲንጀርን ስልጠና ዝተሳተፋ 20 ደቂኣንስትዮ ተመሪቐን።

እቲ ንኣርባዕተ ኣዋርሕ ዝቐጸለ ስልጠና፡ ንደቂ-ኣንስትዮ ሞያ ኣቕሲምካ ናይ ስራሕ ዕድል ንምፍጣር ከምዝኾነ፡ ኣወሃሃዲት መሰልጠኒ ማእከል ሃኮሰኤ ኣብ ተኾምቢያ ወ/ሮ ኢለና ፊልቸ ገሊጻ።

ሓላፊ ሃኮሰኤ ዞባ ጋሽ-ጋርካ ኣቶ ዓብዱ ሳልሕ፡ እተን ደቂ-ኣንስትዮ፡ ዝቐሰማኦ ትምህርቲ ኣብ ግብሪ ተርጒመን – ነብሰን ከዕብያሉን መነባብሮአን ከመሓይሻሉን ኣዘኻኺሩ።

ወኪል ተመረቕቲ፡ ስለ’ቲ ዝተዋህበን ዕድል ድሕሪ ምምስጋን፡ ብዝቐሰማኦ ሞያዊ ትምህርቲ – ህይወተን ንምልዋጥ ኣበርቲዐን ከምዝሰርሓ ገሊጻ።

Categories