ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ፡ ትማሊ ኣብ ሰዓታት ቅ.ቐ ንፕሮፈሽናል ተቐዳዳማይ ብሽክለታ ቢንያም ግርማይ፡ ኣብ ዓዲ-ሃሎ ኣብ ዝርከብ ቤት-ጽሕፈቱ ተቐቢሉ ኣተባቢዕዎ።

ኣብ’ቲ ኮሚሽነር ባህልን ስፖርትን ኣምባሳደር ዘመደ ተኽለ ከምኡ’ውን ኣካየድቲ ሃገራዊ ፈደረሽን ቅድድም ብሽክለታ ዝተረኽቡሉ ኣጋጣሚ፡ ፕረዚደንት ኢሳይያስ – ንቢንያም ብዛዕባ ኩነታት ጥዕና ዓይኑ ድሕሪ ምሕታት፡ ሎሚ ዓመት ኣብ ‘ጂሮ ዲ ኢታሊያ’ ዘመዝገቦ ዓወት፡ ኣብ ርእሲ’ቲ ስም ኤርትራ ኣብ ምዂላዕ ዝነበሮ ተራ፡ ንመንእሰያት ስፖርተኛታት ዓቢ ፍናን ዝህብ ከምዝዀነ ገሊጹሎም።

ኣብ ኤርትራ ዘሎ ክሊማ፡ ቅርጺመሬት ብዓቢኡ ኸኣ ሰዓብን ኣተባባዕን ህዝቢ፡ ዝዓበየ ብልጫ ምዃኑ ዝጠቐሰ ፕረዚደንት ኢሳይያስ፡ ቢንያም – ዛጊት ዘመዝገቦ ዓወት ዓቂቡ፡ ኣብ ዝቕጽል ተመሳሳሊ ኣህጉራዊ ውድድራት ዝዓበየ ዓወት ክጭብጥ ዝእግሞ ከምዘየለ፡ ጽኑዕ እምነቱ ገሊጹ።

“ኣብ ዓለም፡ ኣብነታዊ ካብ ምዃን ዝዓቢ ጸጋ የለን” ዝበለ ፕረዚደንት ኢሳይያስ፡ ቢንያም ኣብ ‘ጂሮ ዲ ኢታልያ’ ዘመዝገቦ ዓወት ንካልኦት ተቐዳደምቲ ኣርኣያ ምዃኑ ኣገንዚቡ።

ኣብ መወዳእታ ፕረዚደንት ኢሳይያስ፡ ንኹሉ ዓይነት ስፖርት ኣብ ግምት ዘእተወ መሳለጥያታት፡ ኣብ ኩለን ዞባታት ተዋዲዱ፡ ንዝበረኸ ዓወት ክስራሕ ኣዘኻኺሩ።

ቢንያም ግርማይ ብወገኑ፡ ፕረዚደንት ኢሳይያስ ቅድምን ድሕርን ውድድራት ንስፖርተኛታት ዝገብሮ ምትባባዕ፡ ኣብ ዝምዝገብ ዓወታት ዓቢ ተራ ከምዘለዎን ረዚን ሓላፍነት ከምዘሰክምን ብምጥቃስ፡ ምስጋናኡ ኣቕሪቡ።

ኮሚሽነር ባህልን ስፖርትን ኣምባሳደር ዘመደ ተኽለ፡ ፕረዚደንት ኢሳይያስ ወትሩ ንስፖርተኛታት ዝገብሮ ምትብባዕን ዝህቦ ሓሳባትን፡ ኣብ ምዕባለ ናይ’ቲ ጽላትን ዝምዝገብ ዓወታትን ልዑል ኣስተዋጽኦ ከምዘለዎ ብምርግጋጽ፡ ኣብ መጻኢ – ኣብ ምምላእ ትሕተ-ቅርጽን ቀረብን ተወጢኖም ዘለዉ መደባት ንምትግባር፡ ዓቢ ስራሕ ከምዝሰላሰል ኣብሪሁ።

Categories