ጨንፈር ንግዳዊ ባንክ ዓዲ-ወግሪ፡ ኣገልግሎቱ ብምስፋሕ ዓማዊሉ ዝዓግቡሉ ጽፈትን ስሉጥነትን ንምርግጋጽ፡ ብኮምፕዩተር ቴክኖሎጂ ብዝተደገፈ ኣሰራርሓ ይነጥፍ ከምዘሎ ተገሊጹ።

ኣካያዲ ስራሕ ናይ’ቲ ባንክ ኣቶ ዮሴፍ ተስፋይ፡ እቲ ባንክ ሞያዊ ዓቕሙን መሳርሒታቱን ብምጉልባት፡ ነቲ ኣብ ተጠራቓሚ ሕሳብ ጥራይ ተደሪቱ ዝነበረ ንጥፈታቱ፡ ናብ ናይ ሓዋላን ተንቀሳቓሲ ሕሳብን ብምስፋሕ፡ ስሉጥ ኣገልግሎት ንምሃብ ይሰርሕ ከምዘሎ ኣረዲኡ።

ልዕሊ 50 ሽሕ ተጠቀምቲ ከምዘለውዎም ዝሓበረ ኣቶ ዮሴፍ፡ ኣገልግሎት ሓዋላ ንምኽፋት ኣብ ዝሓለፈ ኣዋርሕ ዝተኣታተወ ብመርበብ ዝተደገፈ ኣሰራርሓ፡ ነቲ ብህዝቢ ክቐርብ ዝጸንሐ ጠለብ ብጽፈትን ስሉጥነትን ዝምልስ ከምዝዀነ ገሊጹ።

ብመንገዲ ባንካዊ ኣሰራርሓ ዝፍጸሙ ትውጊታትን ምስግጋር ሕሳባትን እናወሰኸ ከምዝመጽአ፣ እዚ ድማ መርኣያ ሰሪጹ ናይ ዘሎ ንቕሓትን ምትእምማንን ከምዝዀነ ብምጥቃስ፡ ተጠቃምነት ቸክ ወይ ምስግጋር – ማለት ‘ትራንስፈር’ ኣዝዩ ውሑስ ስለዝዀነ፡ ዓማዊል ዝያዳ ክደፍኡሉን ብግቡእ ክጥቀሙሉን ጸዊዑ።

ጨንፈር ንግዳዊ ባንክ ዓዲ-ወግሪ፡ ዝበዝሑ ዓማዊሉ – ካብ ንኡሳን ዞባታት መንደፈራ፡ ዓዲ-ዃላ፡ ድባርዋ፡ ዓረዛ፡ እምኒሓይሊን ማይ-ምነን እዮም።

Categories