ኣብ ንኡስ ዞባ ኣኽርያ – ኣስመራ እትርከብ ቤት-ትምህርቲ ካልኣይ ደረጃ ሓርነት፡ ኣብ ሃገራዊ መርመራ 12 ክፍሊ፡ ካብ 3 ክሳብ 4 ምሉእ ነጥቢ ዘምጽኡ 47 ተመሃሮ ኣባላት 33ን 34ን ዙርያ ሃገራዊ ኣገልግሎት፡ ሜዳልያታት ሸሊማ።

ብ4 ሰነ ኣብ ዝተገብረ ስነ-ስርዓት፡ 6 ኣብነታውያን መማህራንን 2 ናይ ጽሬት ሰራሕተኛታትን እውን መተባብዒ ገንዘባዊ ሽልማት ተዋሂቦም።

እታ ቤት-ትምህርቲ ብተወሳኺ፡ ኣብ ዓመተ-ትምህርቲ 2021/2022 ኣብ ዝተኻየደ ሞዴል መርመራ ምሉእ ነጥቢ ንዘምጽኡ 5 ተመሃሮ ሸሊማ።

ርእሰ-መምህር ቤት-ትምህርቲ ሓርነት መምህር ተኽለማርያም በራኺ፡ ተመሃሮ ዘመዝገብዎ ነጥቢ፡ ፍረ ጻዕሮምን ውጽኢት ደገፍን ምክትታልን መማህራኖምን ወለዶምን ምዃኑ ብምሕባር፡ ዮሃናኡ ገሊጹሎም።

ኣብ ጨንፈር ሚኒስትሪ ትምህርቲ ዞባ ማእከል፡ ሓላፊ ካልኣይ ደረጃ ኣብያተ-ትምህርቲ መምህር ዮውሃንስ ሰለሙን ድማ፡ ተመሃሮ ንዝያዳ ዓወት ክጽዕሩ፣ መማህራንን ወለድን ድማ ምክትታሎምን ምትብባዖምን ከዕዝዙ ኣዘኻኺሩ።

Categories