ኣብ ንኡስ ዞባ ከርከበት፡ መስርሕ መምሃርን ምስትምሃርን ንምሕያል፡ ኩሎም መሻርኽቲ ኣካላት፡ ኣመሓደርቲ ከባቢ፡ ወለድን መማህራንን ብውህደት ክሰርሑ ተሓቲቱ።

ሓላፊ ኣገልግሎት ትምህርቲ ኣብ’ቲ ንኡስ ዞባ፡ መምህር ማሕሙድ እድሪስ፡ ዝርጋሐ ኣብያተ-ትምህርቲ እናሰፍሐ ይመጽእ ከምዘሎ፡ ተሳታፍነት ተመሃሮ ክብ ንምባልን ሕጽረታት ንምፍታሕን ግዳ፡ ሓባራዊ ጻዕሪ ከምዘድልዮ ኣዘኻኺሩ።

ዕድመኦም ንትምህርቲ ዝኣኸለ ግን ከኣ ክመሃሩ ዘይጸንሑ ኣብ መኣዲ ትምህርቲ ንምጽንባር ብዝተገብረ ጐስጓሳት፡ ዛጊት 20 ሚእታዊት ጥራይ ከም እተመዝገቡን፡ ነቶም ዝተረፉ ንምትብባዕ ይስራሓሉ ከምዘሎን መምህር ማሕሙድ ኣገንዚቡ።

ኣመሓዳሪ ንኡስ ዞባ ከርከበት ኣቶ ዓብዱልከሪም እድሪስ፡ ነበርቲ – ነቲ መንግስቲ ኣብ ጽላት ትምህርቲ ዝገብሮ ዘሎ ገዚፍ ወፍሪ ብግቡእ ክግልገልሉ ብምዝኽኻር፡ ትሑት ዘሎ ተሳታፍነት ንምዕባይ፡ ኣመሓደርቲ ከባቢን ዓበይቲ ዓድን ኣበርቲዖም ክሰርሑ ተላብዩ።

Categories