መራሕቲ ሞሮኮ፡ ማውሪታንያ፡ ሱዳን፡ ህንዲ፡ ኔዘርላንድስ፡ ኣየርላንድን ሩስያን፡ ብምኽንያት ጽምብል መበል 31 ዓመት በዓል ናጽነት ኤርትራ፡ ናብ መንግስትን ህዝብን ኤርትራ ናይ ዮሃና መልእኽታት ሰዲዶም።

ንጉስ ሞሮኮ መሓመድ ሻድሻይ፣ ፕረዚደንት ሪፓብሊክ ማውሪታንያ መሓመድ ውልድሼኽ ኣልቐዝዋኒ፣ ኣቦ-መንበር ልኡላዊ ባይቶ ሱዳን ጀነራል ዓብዱልፋታሕ ኣልቡርሃን፣ ፕረዚደንት ህንዲ ራም ናት ኮቪንድ፣ ንጉስ ኔዘርላንድስ ዊልየም ኣለክሳንደር፣ ፕረዚደንት ኣየርላንድ ሚካኤል ሂጊንስ፣ ፕረዚደንት ፈደረሽን ሩስያ ቭላድሚር ፑቲን – ብስሞም ከምኡ’ውን ብስም ህዝብታቶምን መንግስታቶምን ኣብ ዝሰደድዎ መልእኽቲ፡ ንፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ጥዕናን ኣሳልጦ ስራሕን፣ ንኤርትራን ህዝባን ድማ ሰላምን ብልጽግናን ተመንዮም።

ኣቦ-መንበር ልኡላዊ ባይቶ ሱዳን ጀነራል ዓብዱልፋታሕ ኣልቡርሃን፡ ክልተኣዊ ዝምድናን ሽርክነትን ኤርትራን ሱዳንን ንምድልዳል፡ ብሓባር ንምስራሕ ብወገን ሃገሩ ንዘሎ ሓቀኛ ድሌትን ቅሩብነትን ኣረጋጊጹ።

ፕረዚደንት ህንዲ ራም ናት ኮቪንድ፡ ኣብ መንጎ ኤርትራን ህንድን ዘሎ ሕውነታዊ ዝምድና፡ ብመንፈስ ክልተኣዊ ረብሓ ብዝበለጸ ከምዝምዕብል ዘለዎ ጽኑዕ እምነት ገሊጹ።

ፕረዚደንት ቭላድሚር ፑቲን ብወገኑ፡ ሩስያን ኤርትራን ዓሚቚ ሕውነታዊ ዝምድና ከምዘለወን ብምጥቃስ፡ ዝያዳ ምምዕባሉ ንረብሓታት ህዝብታተን ከምኡ’ውን ንዞባዊ ጸጥታን ርግኣትን ዘገልግል
ከምዝዀነ ኣነጺሩ።

Categories