ኤርትራ፡ ካብ 9 ክሳብ 20 ግንቦት ኣብ ኣቢጃን – ኣይቮሪኮስት ኣብ ዝተጋብአ ዓለማዊ ዋዕላ ምምካት ደርቂ፡ ምድካይ መሬትን ምድረ-በዳነትን ተሳቲፋ።

ኣብ’ቲ ዋዕላ ዝተሳተፈ ካብ ሚኒስትሪ ሕርሻን ቤት-ጽሕፈት ቀዋሚ ልኡኽ ኤርትራ ኣብ ሕቡራት ሃገራትን ዝቘመ ልኡኽ፡ “መዓልቲ ምምካት ደርቂ” ኣብ ዝተሰምየ ብ11 ግንቦት ዝተኻየደ ፍሉይ መደብ፡ ንተመኵሮ ኤርትራ ኣብ ተሓድሶ መሬት ዝምልከት፡ ብምርኢት ሰነዳዊ ፊልም ዝተሰነየ ሰፊሕ መግለጺኣቕሪቡ።

እቲ ትሕዝቶ፡ ምስ ደርቅን ምድካይ መሬትን ዝተሓሓዝ ብድሆታት ኤርትራ፣ ከምኡ’ውን መንግስትን ህዝብን ኤርትራ ነዚ ብድሆታት’ዚ ንምምካት ኣብ ምዕቃብ ሓመድን ማይን ዝኽተልዎ ዘለዉ ኮም ዝሰረቱ ስትራተጅን ዘሰላስልዎ ዘለዉ ንጥፈታትን ዘብርህ እዩ።

ልኡኽ ኤርትራ ኣብ መግለጺኡ፡ ኣብ እዋን ናጽነት 138 ጥራይ ዝነበረ ቍጽሪ ከዘንቲ ማይ፡ ኣብ’ዚ እዋን’ዚ ናብ 785 ብምድያቡ፡ ስፍሓት ብመስኖ ዝለምዕ መሬት ብኣርባዕተ ዕጽፊ ከምዝወሰኸ፡ ከም ውጽኢቱ ድማ እትዋት ፍረታት ብ71 ዕጽፊ፣ ኣሕምልቲ ድማ ብ6 ዕጽፊ ከምዝዓበየ ኣረዲኡ።

ብዘይካ’ዚ፡ ጥዑይ መሬትን ጥዑይ ፍርያትን ንምርካብ ዝሕግዝ፡ ኣብ ሓምላይ ወፍሪን ምፍራይ ባህርያዊ ድዅዕን ጸረ-ባልዕን ዘተኰረ ተበግሶታት መንግስቲ ኤርትራ፡ ኣብ ትስፉው ደረጃ ከምዝርከብ ገሊጹ።

ኣብ’ቲ ዋዕላ፡ ካብ 196 ሃገራት ዝተወከሉ ኣስታት 2000 ልኡኻት ተሳቲፎም።

Categories