ትማሊ ኣብ መመርመሪ ማእከላት ዞባ ማእከል ብዝተገብረ ናይ ላቦራቶሪ መርመራታት፡ ኣድራሻኣ ዓዲ-ንፋስ ዝዀነት ዜጋ፡ ብኮሮና ቫይረስ ምልካፋ ተረጋጊጹ።

በዚ መሰረት፡ ጠቕላላ ቊጽሪ ብኮሮና ቫይረስ ዝተለኽፉ ዜጋታት፡ ክሳብ ትማሊ 9,753 በጺሑ ኣሎ።

እዚኣቶም፡ 9,640 ሓውዮም ዝተፋነዉ፡ 103 ብሞት ዝተፈልዩ፡ 10 ድማ ኣብ ሆስፒታል ተዓቚቦም ክንክን ዝግበረሎም ዘለዉ እዮም።

ሚኒስትሪ ጥዕና – 20 ግንቦት 2022

Categories