ጨንፈር ጽሩይ ዝስተ ማይ ዞባ ማእከል፡ ጠለብ ነበርቲ ከተማን ገጠርን ንምምላእ ጻዕርታቱ ቀጻሊ ምዃኑ፡ ንኤሪና ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ ገሊጹ።

ካብ’ቲ ጨንፈር መንእሰይ ፊልሞን ምሕረትኣብ፡ ኣብ ከተማ ኣስመራን ከባቢኣን ዝነበረ ሕጽረት ቀረብ ዝስተ ማይ ንምፍታሕ፡ ምስ ፕሮጀክት ዓዲ-ሃሎ ብምውህሃድ፡ ኣብ 2018ን 2019ን ኣብ በረኽቲ ቦታታት 21 ዓበይቲ ኣጋንእ ተዋዲዱ ዝምስገን ኣገልግሎት ይህብ ከምዘሎ ሓቢሩ።

ኣብ መጻረዪን መዐደሊን ነቑጣታት ማይነፍሒ፡ ቶኮር፡ ባሊኔኪ፡ ኤክስፖ፡ ሰምበልን ባሕቲ መስከረምን ዝጸንሐ ሕጽረት መጨንጉዒ ማይ ንምምላእ ብዝተወስደ ስጒምቲ፡ 6 ጀነሬተራት ተተኺለን ኣብ ንጡፍ ኣገልግሎት ከምዝርከባ፣ ኣብ 2020ን 2021ን – ዝተበላሸወ መስመራት ብሓድሽ ከምእተተክአን ዝተዓብሰ መስመራት ከምእተጸገነን እውን ኣረዲኡ።

ኣብ ዝሓለፈ ዓመት፡ ንነበርቲ ከተማ ኣስመራን ከባቢኣን ልዕሊ 55 ሚልዮን ሜተር ክዩብ ማይ ብመስመር ከምእተዓደለ፣ እቲ ዝዕደል ማይ ጽሬቱ ውሑስ ክኸውን ምእንቲ ድማ፡ ኣብ ነፍሲ-ወከፍ መጻረዪ ነቑጣ ሓደስትን ዘመናውያንን ማሽናት ተተኺለን ምህላወን ገሊጹ።

Categories