መራሕቲ ሃገራትን መንግስታትን፡ ብምኽንያት መበል 31 ዓመት በዓል ናጽነት፡ ናብ መንግስትን ህዝብን ኤርትራ – ናይ ዮሃና መልእኽትታት ሰዲዶም።

ፕረዚደንት ሪፓብሊክ ማላዊ ላዛሩስ ማካርቲ ቻክዌራ፣ ፕረዚደንት ፖርቱጋል ማርሴሎ ረቤሎ ደ’ሶሳ፣ ፕረዚደንት ሪፓብሊክ በኒን ፓትሪስ ታሎን፣ ከምኡ’ውን ንጉስ ስዑዲ ዓረብ ሳልማን ቢን ዓብደልዓዚዝ ኣልስዑድ፡ ብስሞምን ብስም መንግስታቶምን ህዝብታቶምን ኣብ ዝለኣኽዎ መልእኽቲ፡ ንፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ጥዕናን ናይ ስራሕ ኣሳልጦን፣ ንኤርትራን ህዝባን ድማ ራህዋን ብልጽግናን ተመንዮም።

እቶም መራሕቲ ወሲኾም፡ ዝምድናታት ሃገሮም ምስ ኤርትራ ንምምዕባልን ናብ ዝለዓለ ናይ ምትሕግጋዝ ደረጃ ክብ ንምባሉን ዘለዎም ድሌትን ቅሩብነትን ኣረጋጊጾም።

Categories