]ሃገራዊ ኮንፈደረሽን ሰራሕተኛታት ኤርትራ ዞባ ጋሽ-ባርካ፡ ማሕበረ-ቁጠባዊ ህይወት ደቂ-ኣንስትዮን ብደቂ-ኣንስትዮ ዝእለያ ስድራ-ቤታትን ንምምሕያሽ፡ ብሞያ ቅዲ ክዳንን ሲንጀርን ዘሰልጠነን 38 ደቂ-ኣንስትዮ፡ ብ14 ግንቦት ኣመሪቑ።

ኣብ ከተማ ባረንቱ ኣብ ዝተኻየደ ናይ ምምራቕ ስነ-ስርዓት፡ ሓላፊ ሃኮሰኤ ኣብ’ቲ ዞባ ኣቶ ዓብዱ ሳልሕ፡ እቲ ን4 ኣዋርሕ ብናጻ ዝወሃብ ዘሎ ትምህርቲ፡ ኣብ ካልኦት ከባቢታት ናብ ዝርከባ ደቂ-ኣንስትዮ እውን ክቕጽል ምዃኑ ገሊጹ።

ኣብ ሃኮሰኤ ዞባ ጋሽ-ባርካ ሓላፊ ምክትታል ፕሮጀክትታት ኣቶ ቅዱስ ምስጉን ብወገኑ፡ ናብ ደቂ-ኣንስትዮን ብደቂ-ኣንስትዮ ዝእለያ ስድራቤታትን ዝቐንዐ ሞያዊ ስልጠናታት፡ ንትግባሬኡ ምስ ምምሕዳራትን ቤት-ጽሕፈት ሚኒስትሪ ዕዮን ማሕበራዊ ድሕነትን ብምውህሃድ ይስራሓሉ ከምዘሎ ኣረዲኡ።

ኣብ ሃኮሰኤ ሓላፊት ክፍሊ ሰራሕተኛታት ደቂ-ኣንስትዮ ወ/ሮ ደሃብ መብራህቱ፡ ኣብ 2020/2021 ን300 ጽጉማት፡ ኣለይቲ ስድራን ስንኩላንን ደቂ-ኣንስትዮ ዝተፈላለየ ስልጠናታት ከምእተዋህበ፣ ዝያዳ ንምስፋሑን ንምዕማቑን እውን ብዕቱብ ተታሒዙ ምህላዉ ሓቢራ።

Categories