መበል 31 ዓመት በዓል ናጽነት ኤርትራ ንምምዕራግ፡ ኣብ ውሽጢ ሃገርን ወጻእን ክካየድ ዝጸንሐ ኩሉ-መዳያዊ ምድላዋት ከምእተጻፈፈ፡ ኮሚሽነር ባህልን ስፖርትን ኣምባሳደር ዘመደ ተኽለ ሓቢሩ።

“ሳላ ናጻ መስመርና ኢና ክብረትና ኣውሒስና” ዝበለ ኣምባሳደር ዘመደ፡ ናይ ሎሚ ዓመት “ንያትና ናጻ ሕርያና” ዝብል ቴማ ነዚ ዘንጸባርቕ ምዃኑ ጠቒሱ፡ ኣብ ነፍሲ-ወከፍ ዓመት እንገብሮ ዝኽሪ 24 ግንቦት፡ ናይ መጻኢ ሃገራዊ መደባት ብኣድማዕነት ንምትግባር ቅሩብነትና ንኸነረጋግጽ ሓላፍነት ዘሰክም ምዃኑ ገሊጹ።

ተጻፊፉ ዘሎ መደባት ቅንያት ናጽነት ብዝምልከት፡ ኣብ ዞባታት እቲ ጽምብል ካብ ዓድታት ጀሚሩ ከምዝካየድ፣ እቲ ብደረጃ ዞባ ዝግበር ስነ-ስርዓት ድማ ኣብ ርእሰ-ከተማታት ናይ’ተን ዞባታት ከምዝቐርብ ኣረዲኡ።

ኣብ ከተማ ኣስመራ ድማ፡ 21 ግንቦት ኣብ ሲነማ ኣዝመራ ሞኖሎጋዊ ኦፔራ፣ 22 ግንቦት ኣብ ሲነማ ሮማ ንባህልን ያታን ኩለን ብሄራትና ዘንጸባርቕ ኮንሰርት፣ 24 ግንቦት ወግዓዊ ጽምብል ኣብ ስታድዩም ኣስመራ ክቐርብ ምዃኑን፡ ሰለስቲኡ መደባት ብኤሪ-ቲቪ ብቐጥታ ከምዝፍኖን ሓቢሩ።

ኣብ ወጻኢ’ውን፡ ማሕበረ-ኮማት ብመንፈስ’ቲ ወጺኡ ዘሎ ቴማ መሰረት ምድላዋቶም ኣጻፊፎም ከምዘለዉ፡ ኣብ ገለ ሃገራት’ውን ድሮ ክጽምብሉ ከምዝጀመሩ ኣረዲኡ።

ኣምባሳደር ዘመደ፡ ዝለዓለ ኣውደኣመት ህዝቢ ኤርትራ መዓልቲ ናጽነት ስለዝኾነት፡ ኩሉ ኤርትራዊ ነዚ ዝኽሪ’ዚ በቲ ዝግብኦ ርዝነትን ክብሪን ካብ ቤቱ ጀሚሩ ክጽምብሎ ብምዝኽኻር፡ ቅጥዕታት ምክልኻል ኮሮና ቫይረስ ብጥብቂ ክኽበር ተላብዩ።

Categories