ትማሊ ኣብ መመርመሪ ማእከላት ዞባ ማእከል ብዝተገብረ ናይ ላቦራቶሪ መርመራታት፡ ኣድራሻኡ ሰንዓፈ ዝዀነ ሓደ ዜጋ፡ ብኮሮና ቫይረስ ምልካፉ ተረጋጊጹ።

ኮሮና ቫይረስ ተረኺብዎም ኣብ ሆስፒታል ዞባ ማእከል ተዓቚቦም ክንክን ክግበረሎም ዝጸንሑ 4 ዜጋታት ድማ፡ ሓውዮም ተፋንዮም ኣለዉ።

በዚ መሰረት፡ ጠቕላላ ቊጽሪ ብኮሮና ቫይረስ ዝተለኽፉ ዜጋታት፡ ክሳብ ትማሊ 9,752 በጺሑ ኣሎ።

እዚኣቶም፡ 9,640 ሓውዮም ዝተፋነዉ፡ 103 ብሞት ዝተፈልዩ፡ 9 ድማ ኣብ ሆስፒታል ተዓቚቦም ክንክን ዝግበረሎም ዘለዉ እዮም።

ሚኒስትሪ ጥዕና – 19 ግንቦት 2022

Categories