ኣብ ዝተፈላለየ ከባቢታት – ዞባታት ሰሜናዊ ቀይሕ ባሕሪን ደቡብን፡ ብምኽንያት መዓልቲ ናጽነትን ሃገራዊ መዓልቲ ሓምላይ ወፍሪን፡ ዝተፈላለየ ስራሓት ተሰላሲሉ።

ብመሰረት ሓበሬታ ወኪላት ዜና፡ ኣብ ዞባ ሰሜናዊ ቀይሕ ባሕሪ፡ ከም ኣካል መደባት ጽምብል ናጽነት፡ ኩሉ ኣካል ሕበረተ-ሰብ ዝተሳተፎ ወፈራዊ ጽሬት ከባቢ፡ ምግራብ፡ ምስራሕ ዛላታትን ምድላው ንፈልሲ ዝኸውን ጐዳጒድን ዘጠቓለለ መደባት ተዓሚሙ።

ኣብ ዞባ ደቡብ እውን፡ ኣብ ንኡስ ዞባ እምኒ-ሓይሊን ሓውሲ ከተማ ጸሮናን ብምኽንያት ሃገራዊ መዓልቲ ሓምላይ ወፍሪ፡ ሰራሕተኛታትን ተመሃሮን ዝተሳተፍዎ – ኣግራብ ናይ ምዂስኳስ ንጥፈታት ተተግቢሩ።

ብዘይካ’ዚ፡ 300 ተመሃሮ ኮሌጅ ንግድን ማሕበራዊ ስነ-ፍልጠትን ዓዲቐይሕ፡ ምስ ምምሕዳር ናይ’ቲ ንኡስ ዞባ ብምትሕብባር፡ ኣብ መቓብር ሓርበኛታት – ኣግራብ ኣብ ርእሲ ምዂስኳስ፡ 100 ሜተር ዛላ ከም ዝዛለዩ ተሓቢሩ።

Categories