ኣብ ዞባ ዓንሰባ – ንኡሳን ዞባታት ዒላ-በርዕድ፡ ሓጋዝ፡ ሓመልማሎን ዓዲተከሌዛንን፡ ኣብ ዓመተ-2021 ኣብ ዕቃበ ኣከባቢ ብሓፈሻ፡ ኣብ ሃብቲ ገረብን እንስሳ ዘገዳምን ድማ ብፍላይ ኣተኲሩ ዝተሰላሰለ ንጥፈታት ተገምጊሙ።

ብ12 ግንቦት ኣብ ኤደን – ንኡስ ዞባ ዒላ-በርዕድ ኣብ ዝተኻየደ ርክብ፡ ሓላፊ በዓል ስልጣን ኣግራብን እንስሳ ዘገዳምን ዞባ ዓንሰባ ኣቶ ደበሳይ ወልዳይ፡ መደባት ዕቃበ ኣግራብን እንስሳ ዘገዳምን ኣድማዕነት ንኽህልዎ፡ ውህደት ተሳተፍቲ ኣገዳሲ ምዃኑ ብምጥቃስ፡ ጐድኒጐድኒ’ቲ ናይ ምዕቃብ ማይን ሓመድን ምግራብን ንጥፈታት፡ ኣግራብ ከይበርሱን ከይቁረጹን ጽኑዕ ሓለዋን ቁጽጽርን ክግበረሎም ተላብዩ።

ሓለቓ ስታፍ ክፍለ-ሰራዊት 34 ሜጀር ተኽለ በይን ብወገኑ፡ ብርሰት ኣግራብ ምግታእን ንምስሳኑ ምስራሕን፡ ናይ ኩሉ ዜጋ ሓላፍነት ምዃኑን፡ ኣብ ብርሰት ሃብቲ ገረብ ንዝተዋፈሩ ሕጋዊ ስጉምቲ ክውሰደሎም ከምዝግባእን ኣገንዚቡ።

ኣብ’ቲ ገምጋም፡ ንውራያትን ዘቤታዊ ሃልኪን ተባሂሉ ዝቑረጽ ኣግራብ ምሉእ ብምሉእ እኳ ደው እንተዘይበለ፡ ኣብ ዝሓሸ ደረጃ ከምዝርከብ ተገሊጹ።

Categories