ኣብ ዞባ ማእከል፡ ኣብ ዝሓለፈ ናይ ናጽነት ዓመታት ዝተሃንጻ 74 ዲጋታትን 7 ራህያታትን፡ ንዘቤታዊ ኣገልግሎት፡ ልምዓት መስኖ፡ ንሰብን ጥሪትን፡ ትሕተባይታዊ ማይ ንምህብታም፡ ከምኡ’ውን ዓሳታት ንምርባሕ ጽቡቕ ኣገልግሎት ይህባ ከምዘለዋ፡ ክፍሊ ሕርሻን መሬትን ሓቢሩ።

ኣብ’ቲ ክፍሊ ወኪል ጨንፈር ምዕቃብ ሓመድን ማይን ልምዓት መስኖን ኢንጂነር ኣቤል ወልደጋብር፡ እተን ብእምኒ፡ ሓመድ፡ እምኒን ቸመንቶን፡ ከምኡ’ውን ብቸመንቶ ጥራይ ዝተሃንጻ ዲጋታት፡ ኣብ ትሕቲአን 1,262 ሄክታር ብመስኖ ይለምዕ ከምዘሎ፡ ኣበርክቶአን ክብ ንምባል ድማ – ብዕቱብ ይስራሓሉ ምህላዉ ኣረዲኡ።

ዋልኻ፡ ዱዃን ሑጻዊ ዱዃን ዝዓይነቱ ሓመድ ዝውንን ዞባ ማእከል፡ ኣስታት 108 ሽሕ ሄክታር ስፍሓት ከምዘለዎን ካብ 400 ክሳብ 600 ሚሊ-ሜተር ዝናብ ከምዝረክብን ዝሓበረ ኢንጂነር ኣቤል፡ ካብ’ቲ ዝሕረስ ኣስታት 37 ሽሕ ሄክታር፡ እቲ 30 ሽሕ ሄክታር ጥራይ ይሕረስ ከምዘሎ ገሊጹ።

ኣብ ዝሓለፈ 31 ዓመታት ኣብ ምዕቃብ ማይን ሓመድን ንዝተሰላሰለ ዕማም ኣብ ሰለስተ መድረኻት ከፋፊሉ መብርሂ ዝሃበ ኢንጂነር ኣቤል፡ ውጽኢቱ ብግብሪ ስለዝተራእየ፡ ብደረጃ ኮም ብዝለዓለ ይድፋኣሉ ከምዘሎ ሓቢሩ።

ኣብ ዞባ ማእከል ካብ ዘለዋ 133 ዲጋታትን ራህያታትን፡ እተን 126 ዲጋታት ግቡእ ኣገልግሎት ይህባ ከምዘለዋ፡ እተን 7 ግን ብዝተፈላለየ ምኽንያት ካብ ኣገልግሎት ወጻኢ ኮይነን ምህላወን፡
ሰነዳት ክፍሊ ሕርሻን መሬትን የነጽር።

Categories