“ኣብ ዞባ ሰሜናዊ ቀይሕ ባሕሪ፡ ኣብ ዝሓለፈ 31 ናይ ናጽነት ዓመታት ዝተሃንጸ ትካላት ማሕበራዊ ኣገልግሎትን ትሕተ-ቅርጽን፡ ከም’ቲ ባህግና እኳ እንተዘይኰነ፡ ኣብ መዓልታዊ ህይወት ህዝቢ መስተርሆ ፈጢሩ እዩ” ክብል፡ ዋና ዳይረክተር ክፍሊ ማሕበራዊ ኣገልግሎት ናይ’ቲ ዞባ ኣቶ ረዘነ ፍስሓ ገሊጹ።

ብምኽንያት ጽምብል ናጽነት ምስ ኤሪና ኣብ ዘካየዶ ቃለ-መሕትት ኣቶ ረዘነ፡ መንግስቲ ካብ ጽባሕ ናጽነት ኣትሒዙ ብዝገበሮ ንርሑቕ ገጠራት ኣብ ግምት ዘእተወ ወፍሪን ጻዕሪን፡ ኣብ ኩሉ ጽላታት ርኡይ ምምሕያሽ ከምእተመዝገበን፡ ህዝቢ ኣብ ቀረባኡ መሰረታዊ ኣገልግሎት ይረክብ ከምዘሎን ኣብሪሁ።

ኣገልግሎት ጥዕና ብዝምልከት፡ ቅድሚ ናጽነት ብድሩት ዓቕሚ ኣብ ኣዝዩ ውሱን ከባቢታት ዝነበረ – ሎሚ ዞባዊ መወከሲ ሆስፒታል ዝርከቦ 46 ትካላት ጥዕና ተዋዲዱ ኣገልግሎት ይህብ ከምዘሎ ገሊጹ።

ተጠቃምነቱ እውን ምስ’ቲ ኣብ ንቕሓት ህዝቢ ዝመጽአ እወታዊ ለውጢ፡ ብኣኡ መጠን ዕብየት የርኢ ከምዘሎ ድማ ሓቢሩ።

ግንዛበ ዜጋታት ኣብ ኣገዳስነት ትምህርቲ እውን እናበረኸ ብምምጽኡ፡ ብዝሒ ኣብያተትምህርቲ ካብ 28 ናብ 445፣ ተሳታፍነት ተመሃሮ ካብ ኣስታት 7 ሽሕ ናብ ልዕሊ 62 ሽሕ ክብ ከምዝበለ ገሊጹ።

ኣቶ ረዘነ፡ ናይ ቅጥራን ጽርግያታት – ኣስመራ-ባጽዕ፡ ባጽዕ-ፎሮን ጋሕቴላይ-ሽዕብን፣ ናይ ሓመድ ጽርግያታት ድማ ባጽዕ-ግልቡብ፡ ባጽዕ-ዓሰብን ዓዲቐይሕ-ፎሮን ከምእተሰርሐ፣ ተንቀሳቓሲ ቴለፎን እውን ንዝነበረ ጸገማት ከምዘቃለለ ኣገንዚቡ።

ዝርጋሐ ማሕበራዊ ኣገልግሎታት ምሉእነት ንኽህልዎ፡ ነተን ጌና ፋሕ ዝበላ ዓድታትን ቁሸታትን ንምጥርናፍ ስራሓት ይቕጽል ከምዘሎ ኣረዲኡ።

Categories