ኣምባሳደር ኤርትራ ኣብ ሱዳን – ኣቶ ዒሳ ኣሕመድ ዒሳ፡ ትማሊ 17 ግንቦት፡ መልእኽቲ ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ናብ ኣቦ-መንበር ልኡላዊ ባይቶ ሱዳን ጀነራል ዓብዱልፋታሕ ኣልቡርሃንን ምክትል ኣቦ-መንበር ጀነራል መሓመድ ሓምዳን ዳጋሎን ኣብጺሑ።

መልእኽቲ ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ፡ ኣብ ምድንፋዕ ክልተኣዊ ዝምድና፡ ከምኡ’ውን ሱዳን ውሽጣዊ ሽግራ ብምፍታሕ ግቡእ ዞባዊ ተራኣ ከተበርክት ምእንቲ፡ ኤርትራ ከም ጐረቤትን መሻርኽትን ክትገብሮ ኣብ እትኽእል ኣበርክቶ ዘተኰረ እዩ።

Categories