ቤት-ጽሕፈት ጠቕላሊ ኦዲተር ኤርትራ፡ ኣብ መላእ ሃገር ካብ ዝነጥፋ ትካላት መንግስቲ ንዝመጽኡ 9 ደቂኣንስትዮ ዝርከባኦም 32 ውሽጣዊ ኦዲተራት፡ ኣብ ስራሖም ዝሕግዞም ስልጠና ሂቡ።

እቲ ካብ 9 ክሳብ 13 ግንቦት ኣብ ማእከላይ ቤት-ጽሕፈቱ ዝተዋህበ ስልጠና፡ ንፋይናንሳዊ ኦዲት፣ ሕጋውነትን ምእዙዝነትን ኦዲት፣ ኣፈጻጽማ ምሕደራዊ ስርሓት፣ ውሽጣዊ ስርዓተቊጽጽር፣ ምሕደራ ስግኣት፣ ንምጽራይን መርመራን ፍሉይ ኦዲትን ካልእ ምስኡ ዝተኣሳሰር ኣርእስትታትን ዝምልከት ነይሩ።

ቀንዲ ዕላማኡ ድማ፡ ኣብ ዝተፈላለያ ትካላት መንግስቲ ኣብ ውሽጣዊ ኦዲት ዝነጥፉ ኣባላት፡ ዝጸንሖም ድኽመት ንምፍዋስን ደረጃ ኣፍልጦኦም ክብ ንምባልን ምዃኑ፡ ካብ ቤት-ጽሕፈት ጠቕላሊ ኦዲተር ዝተረኽበ ሓበሬታ የረድእ።

ኣብ’ቲ ቤት-ጽሕፈት – ዋና ዳይረክተር ኦዲት ኣቶ መንግስ ዳኘው፡ እቲ ብውሽጣዊ ዓቕሚ ዝተዳለወ ስልጠና፡ ንተራን ሓላፍነትን ውሽጣዊ ኦዲተራት ዘነጽር፡ ፍልጠቶም ዘስፍሕን ንጥፈታቶም ዘማዕብልን ከምዝኾነ ጠቒሱ፡ ተሳተፍቲ ንዘርኣይዎ ተገዳስነት ሞጒሱ።

ቤት-ጽሕፈት ጠቕላሊ ኦዲተር ኤርትራ፡ ን5ይ ግዜኡ ትምህርቲ ይህብ ከምዘሎ፣ ዛጊት ድማ 250 ኣባላት መንግስታውያን ትካላት ከምእተሳተፍዎ ኣብቲ ኣጋጣሚ ተሓቢሩ።

Categories