ኣብ ዞባ ማእከል ዝርከባ ዓድታት፡ ኮም ማእከል ዝገበረ መደባት ከባቢያዊ ጽሬት ንምውሓስ ክነጥፋ፡ ዳይረክተር ጨንፈር ሚኒስትሪ ጥዕና ዶ/ር ሙሉጌታ ሃይለ ኣዘኻኺሩ።

ዶ/ር ሙሉጌታ ነዚ መዘኻኸሪ ሓሳብ ዝሃበ፡ ኣብ ንኡሳን ዞባታት ጋላ-ነፍሕን ሰረጀቓን ዝርከባ ዓድታት ዓዲ-ሃከፋን በለዛን ንዘካየዳኦ ዕዉት ዕማም ንምጽምባል፡ ብ10ን 12ን ግንቦት ኣብ ዝተኻየደ ስነ-ስርዓት እዩ።

ኣብ’ቲ ጽምብል፡ ኣብ ሰለስተ ንኡሳን ዞባታት ማእከል፡ ዛጊት 31 ሽሕ ስድራ-ቤታት ተጠቀምቲ ሽታ-ኣልቦ ዓይኒ-ምድሪ ንምዃን ከምዝበቕዓ ተገሊጹ።

ኣመሓዳሪ ንኡስ ዞባ ሰረጀቓ ኣቶ ክፍለማርያም ገብረመስቀልን ኣካያዲ ስራሕ ንኡስ ዞባ ጋላ-ነፍሒ ኣቶ መስፍን ገብረትንሳኤን፡ ነበርቲ ዓዲ-ሃከፋን በላዛን ነቲ ብሚኒስትሪ ጥዕና ዝዋህበ ኣስተምህሮን ጐስጓስን ንምትግባር ዘርኣይዎ ወኒ ብምምጓስ፡ ኣብ መጻኢ ብዝለዓለ ክደፍኡሉን ከማዕብልዎን ተላብዮም።

ኣብ መወዳእታ፡ ዋና ዳይረክተር ክፍሊ ማሕበራዊ ኣገልግሎት ዞባ ማእከል ኮሎኔል ገብረሃንስ ወልደገርጊስ፡ ጽሩይ ኣከባቢ ምውናን ጥዕናኡ ዝተሓለወ ሕብረተ-ሰብ ምህላው ስለዝዀነ፡ ህዝቢ ጽሬት ከባቢኡ ንምውሓስ ኣሰላሲልዎ ዘሎ ስራሕ ቀጻልነቱ ከረጋግጽ ኣተሓሳሲቡ።

Categories