ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ፡ ሼኽ መሓመድ ቢን ዛይድ ኣልናህያን ፕረዚደንት ሕቡራት ኢማራት ዓረብ ኰይኑ ብምምራጹ፡ ትማሊ 14 ግንቦት ናይ ዮሃና መልእኽቲ ሰዲዱ።

ፕረዚደንት ኢሳይያስ፡ ብስሙ ከምኡ’ውን ብስም ህዝብን መንግስትን ኤርትራ ኣብ ዝሰደዶ መልእኽቲ፡ ንፕረዚደንት ሕቡራት ኢማራት ዓረብ – ሼኽ መሓመድ ቢን ዛይድ ኣልናህያን ሰናይ ምንዮትን ኣሳልጦ ስራሕን፣ ንሓው ህዝቢ ኢማራት ድማ ራህዋን ብልጽግናን ተመንዩ።

ኣብ መወዳእታ ፕረዚደንት ኢሳይያስ፡ ዓሚቚ ሕውነታዊ ዝምድና ኤርትራን ሕቡራት ኢማራት ዓረብን፡ ብመሪሕነት ሼኽ መሓመድ ቢን ዛይድ ኣልናህያን፡ ንክልቲኡ ህዝብታት ብዘርብሕ ዝያዳ ከምዝምዕብልን ክልተኣዊ ምትሕብባር ከምዝዓዝዝን ጽኑዕ እምነቱ ገሊጹ።

ካብ 2004 ፕረዚደንት ሕቡራት ኢማራት ዓረብ ኰይኑ ከገልግል ዝጸንሐ ሼኽ ኸሊፋ ቢን ዛይድ ኣልናህያን፡ ብ13 ግንቦት ኣብ መበል 73 ዓመት ዕድመኡ ብሕማም ከምዝዓረፈ ዝዝከር’ዩ።

Categories