ቅነ ናጽነት ኣብያተ-ትምህርቲ ዞባ ማእከል፡ “ንያትና – ናጻ ሕርያና’’ ብዝብል ቴማ፡ ትማሊ 16 ግንቦት ኣብ ካልኣይ ደረጃ ቤት-ትምህርቲ ኣስመራ ሓፈሻዊ ብወግዒ ተጀሚሩ።

ኣብ’ቲ ስነ-ስርዓት፡ ኣመሓዳሪ ዞባ ማእከል ኣቶ ፍስሃየ ሃይለ፡ ብተመሃሮ ንዝተዳለወ ስእላዊ ምርኢት ብምምራቕ፡ ምጅማር ናይ’ቲ ቅነ ኣበሲሩ።

ሓላፊ ጨንፈር ሚኒስትሪ ትምህርቲ ዞባ ማእከል መምህር በላይ ሃብተጋብር ድማ፡ ቅነ ናጽነት ኣብያተ-ትምህርቲ፡ ገስጋስ ጽላት ትምህርቲ ዝንጸባረቐሉ ባይታን ናይ ምውርራስ መድረኽን ምዃኑ ብምሕባር፡ ሎሚ ዓመት ካብ ቅድመ-ትምህርቲ ክሳብ 2ይ ደረጃ ዝተዘርግሓ 281 ኣብያተትምህርቲ ብዝሳተፍኦ መደብ፡ ክሳብ 23 ግንቦት ከምዝቕጽል ሓቢሩ።

እቲ ባህላዊ፡ ስነ-ጥበባውን ስፖርታውን ትሕዝቶ ዝሓቘፈ ቅነ፡ ምስሊ ብዙሕነትና ዘንጸባርቕ ባህላዊ መደባት፣ ምህዞን ሰንዓን፣ ከምኡ’ውን ታሪኽ ቃልስን ጅግንነትን ብሓፈሻ፡ ንናጽነትን ስለኣ ዝተኸፍለ ረዚን ዋጋን ድማ ብፍላይ ዝገልጽን ዘስርጽን ትሕዝቶ ከምዘጠቓልል፡ መምህር በላይ ብተወሳኺ ኣብሪሁ።

ኣመሓዳሪት ንኡስ ዞባ ፓራዲዞ ወ/ሮ ስቶም ስዒድ፡ ቅነ ናጽነት ኣብያተትምህርቲ ኣገዳሲ ኣካል ጽምብል ናጽነት ከምዝዀነ ብምጥቃስ፡ ኣብ መዳይ ምዕባለ መስርሕ ምምሃርን ምስትምሃርን ከምኡ’ውን ምውርራስ ታሪኽ ብቐሊል ዘይጥመት ኣስተዋጽኦ ከምዘለዎ ኣገንዚባ።

እቲ ናይ መኽፈቲ መደብ፡ ብተመሃሮ ዝቐረበ ስእላዊ ምርኢትን ባህላዊ መሰናድኦን ደሚቑ ነይሩ።

Categories