ኣብ ሚኒስትሪ ዕዮን ማሕበራዊ ድሕነትን ተኣላዪ ስንኩል ዝነበረ ገዲም ተጋዳላይ እስቲፋኖስ ተወልደ ብርለ፡ ብ12 ግንቦት ኣብ መበል 73 ዓመት ዕድመኡ ብሕማም ተሰዊኡ።

ኣብ ወርሒ ለካቲት 1975 ኣብ መሳርዕ ህዝባዊ ሓይልታት ሓርነት ኤርትራ ዝተሰለፈ ተጋዳላይ እስቲፋኖስ ተወልደ፡ ኣብ ቃልሲ ንናጽነት፡ ኣብ ተዋጋኢ ሰራዊት ተመዲቡ፡ ብልዑል ተወፋይነት ንህዝቡን ሃገሩን ዘገልገለ ሓርበኛ እዩ።

ተጋዳላይ እስቲፋኖስ ተወልደ፡ በዓልሓዳርን ኣቦ 6 ደቂን እዩ።

ስነ-ስርዓት ቀብሩ ድማ፡ ትማሊ 13 ግንቦት ፍርቂ-መዓልቲ ኣብ መካነ-መቓብር ሓርበኛታት ኣስመራ ተፈጺሙ።

ጨንፈር ሚኒስትሪ ዕዮን ማሕበራዊ ድሕነትን ዞባ ማእከል፡ ብመስዋእቲ ገዲም ተጋዳላይ እስቲፋኖስ ተወልደ ዝተሰመዖ ሓዘን እናገለጸ፡ ንስድራ-ቤቱን መቓልስቱን ጽንዓት ተመንዩ።

Categories