ኣብ ዝሓለፋ ሰለስተ መዓልቲ ብዝተገብረ ናይ ላቦራቶሪ መርመራታት፡ 7 ዜጋታት ብኮሮና ቫይረስ ምልካፎም ተረጋጊጹ።

ንሳቶም፡ 2 ካብ ባረንቱ 1 ካብ ጐልጅ – ዞባ ጋሽባርካ፣ 2 ካብ ሰምበል 1 ካብ ገጀረት 1 ድማ ካብ ቪላጆ – ዞባ ማእከል እዮም።

በዚ መሰረት፡ ጠቕላላ ቊጽሪ ብኮሮና ቫይረስ ዝተለኽፉ ዜጋታት፡ ክሳብ ትማሊ 9,745 በጺሑ ኣሎ።

እዚኣቶም፡ 9,632 ሓውዮም ዝተፋነዉ፡ 103 ብሞት ዝተፈልዩ፡ 10 ድማ ኣብ ሆስፒታል ተዓቚቦም ክንክን ዝግበረሎም ዘለዉ እዮም።

ሚኒስትሪ ጥዕና – 13 ግንቦት 2022

Categories