\ሚኒስትሪ ዕዮን ማሕበራዊ ድሕነትን፡ ኣብ ወጻኢ ካብ ዝነብሩ ዜጋታት ዝተላእከ፡ ኣብ ዕለታዊ ምንቅስቓስን ንጥፈታትን ዓይነስዉራን ዝሕግዝ ዓይነታዊ ደገፍ ረኺቡ።

እቲ ኣብ ሰሜን ኣመሪካ ካብ ዝርከብ ማሕበር ኤርትራውያን ጽሙማንን ዓይነ-ስዉራንን ዝተላእከ ሓገዝ፡ ተዓጻፊን ዘይዕጸፍን መራሒ ኣባትር፣ መጒልሒ መረጼን፣ ከምኡ’ውን ንጽሑፍ ናብ ድምጺ ዝቕይራ መሳርሒታትን ስፖርታዊ ናውትን ዘጠቓለለ እዩ።

ብ11 ግንቦት ኣብ ዝተኻየደ ስነ-ስርዓት፡ ወከልቲ ናይ’ቲ ማሕበር፡ ነቲ ንብረት ንዋና ዳይረክተር ክፍሊ ምምሕዳርን ፋይናንስን ሚኒስትሪ ዕዮን ማሕበራዊ ድሕነትን ኣቶ ኣማሃ ኪዳነ ኣረኪቦምዎ።

ምክትል ኣቦ-መንበር ማሕበር ኤርትራውያን ጽሙማንን ዓይነ-ስዉራንን ኣብ ሰሜን ኣመሪካ፡ ኣቶ ኣርኣያ ኤፍሬም፡ ቀንዲ ዕላማ ማሕበር፡ ሕብረተ-ሰብ ኣብ ስንኩላን እወታዊ ኣረኣእያ ንኽህልዎ ምስራሕን ዓቕሚ ዘፍቅዶ ሓገዝ ምብርካትን ከምዝዀነ ብምጥቃስ፡ እቲ ተገይሩ ዘሎ ዓይነታዊ ሓገዝ፡ ምስ’ቲ ብመንግስቲን ካልኦት ወገናትን ዝግበር ተደሚሩ፡ ኣብ ምቅላል ጸገማት ዓይነ-ስዉራን ኣበርክቶ ክገብር ዘለዎ እምነት ገሊጹ።

ጸሓፊት ናይ’ቲ ማሕበር ወ/ሮ ዮርዳኖስ ኣብርሃም ብግደኣ፡ ኣብ’ዚ ምዕቡል ናይ ቴክኖሎጂ ዘመን፡ ስንኩላን ማዕረ’ቲ ካልእ ኣካል ሕብረተ-ሰብ ከፍርዩ ከምዝኽእሉ ብምእማን ነቲ ሓገዝ ከምዘበርከትዎ ብምዝኽኻር፡ ኤርትራውያን ነበርቲ ሰሜን ኣመሪካ ንዘገበሩሎም ምትሕብባር ኣመስጊና።

Categories