በዓል-ስልጣን ኣግራብን እንስሳ ዘገዳምን፡ “ውሑስ ልምዓት – ብውህደትን ተሳታፍነትን መሻርኽቲ” ብዝብል ቴማ፡ ብደረጃ ዞባ ማእከል – ኣብ ዕቃበን ልምዓትን ኣግራብን እንስሳ ዘገዳምን ዘሎ ኣፍልጦን ተሳታፍነትን ንምብራኽ፡ ትማሊ 13 ግንቦት ኣብ ኣዳራሽ ምምሕዳር ዞባ ማእከል ዓውደዘተ ኣካዪዱ።

ዋና ኣካያዲ ስራሕ ናይ’ቲ በዓል ስልጣን ኮሎኔል ክንፈ ሃብቶም፡ ውጽኢት ምግራብ ኣብ ሓደ ረፍዲ ወይ ሓደ ዓመት ዘይኮነ፡ ኣብ ዓመታት ተዋህሊሉ ዝርአ መስርሕ ስለዝዀነ፡ ንዝለዓለ ስራሕን ውጽኢቱን ምብጋስ ከምዘድሊ ኣገንዚቡ።

ንቀንዲ ዕማማት መሻርኽቲ ኣካላት – ማለት ምምሕዳራት፡ ሓይልታት ምክልኻልን ጸጥታን፡ ከምኡ’ውን ሚኒስትሪታትን ካልኦት ኣካላትን ብዝምልከት፡ ዝበዝሐ ሕሩምን ዓዳውን ሕዛእትታት፡ ሰኣን ግቡእ ምክትታልን ሓለዋን ተጣሒሱ ንብርሰት ከምእተቓልዐ ብምሕባር፡ ናብ ንቡር ንምምላሱ ዝተኻየደ መጽናዕታት ንምትግባርን ንምዕዋትን፡ ተራ ኣመሓደርትን ካልኦት ኣካላትን ክዓዝዝ ኣዘኻኺሩ።

ተሳተፍቲ፡ ትግባረ ሃገራዊ ወፍሪ ሓምላይ ልምዓት ንምድንፋዕ፡ ኣብ ምብራኽ ንቕሓትን ሓለዋን ዕቱብ ስጒምቲታት ክውሰድ፣ ምንጪ ማይ ክወሓስ፣ ዝተተኽለ ፈልሲታት ግቡእ ክትትልን ናብዮትን ክግበረሉ፣ ተሳትፎ ዜጋታት ኣብ መደባት ምዕቃብ ማይን ሓመድን ብሓፈሻ፡ ኣብ ምግራብ ድማ ብፍላይ ክዓዝዝ ተላብዮም።

ዋና ኣካያዲ ስራሕ ምምሕዳር ዞባ ማእከል ኣቶ ዘርኢት ተወልደብርሃን ኣብ ዘስመዖ መዛዘሚ ቃል፡ ኩሎም ኣካላት መንግስቲ ኣብ ምዕቃብ ሓመድን ማይን ኣትኲሮም ክሰርሑ፣ ዓቕምታት ናይ ነበርቲ ኣወሃሂዶም ድማ ውጽኢታዊ ስራሕ ክዓምሙ ኣዘኻኺሩ።

Categories