ቤት-ጽሕፈት ጠቕላሊ ቈንስል ኤርትራ ኣብ ኣውስትራልያ፡ ኣብ ጉጅለታት ህግደፍ ተወዲቦም ንዝነጥፉ ኤርትራውያን ነበርቲ ከተማታት ኣውስትራልያን ኒውዚላንድን፡ ብማንዛ ሰሚናር ወዲቡ።

ጠቕላሊ ቈንስል ኤርትራ ኣብ ኣውስትራልያ ኣቶ መሓሪ ተኸስተ፡ ኣብ ህልው ኩነታት ሃገርናን ዞባናን ከምኡ’ውን ዓለማዊ ምዕባለታትን ጽልዋኡ ኣብ ሃገርናን ኣትኲሩ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ ኣብ ማሕበረ-ቁጠባዊ፡ ፖለቲካውን ዲፕሎማስያውን መዳያት ንዝተዓሙ ስርሓት ብሰፊሑ ኣብሪሁ።

ኤርትራ፡ ግዳማዊ ሸርሕታት ከከም ኣመጻጽኣኡ ክትምክት ምጽናሓን እቲ መኸተ ቀጻሊ ምዃኑን ዝሓበረ ኣቶ መሓሪ፡ ኣብ ወጻኢ ዝነብሩ ዜጋታት ሓድነቶም ኣትሪሮምን መሳርዖም ኣስጢሞምን፡ ኣብ’ዚ መዳይ’ዚ ከካይድዎ ንዝጸንሑ ቃልሲ ብምምጓስ፡ መለለዪ መንነትና ዝኾነ ጥምረት ዝያዳ ክስራሓሉን ናብ ወለዶታት ክሰጋገርን፡ ሓላፍነት ኩሉ ዜጋ ምዃኑ ኣገንዚቡ።

ሓላፊ ህዝባውን ኮማውን ጉዳያት ኣቶ ያሲን ዑመር ድማ፡ ውዳቤታት ህግደፍ ኣብ ኣውስትራልያን ኒውዚላንድን መሳርዖም ኣደልዲሎም ካብኦም ዝሕተት ንኸማልኡ፡ ቀጻሊ ስራሕ ከምዘድልዮም ኣዘኻኺሩ።

Categories