ኣብ መጽሓፍ ‘ቅያ ስርሒት ኮማንዶ 1984’ ዘተኰረ ናይ ምውርራስ ታሪኽ መድረኽ፡ ብ6 ግንቦት ኣብ ከተማ ከረን ተኻዪዱ።

ደራሲ ናይ’ታ ብኮማንዶ ህዝባዊ ግንባር ሓርነት ኤርትራ ኣብ መዓርፎ ነፈርቲ ኣስመራ ንዝተፈጸመ ቅያ እትትርኽ መጽሓፍ – ስነጥበባዊ ኣቶ ሰለሙን ድራር ንመንእሰያት ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ ነቲ ስርሒት ዝተሓርዩ ኣባላት ኮማንዶ፡ ኣብ ውሽጢ 18 ደቓይቕ ብዘርኣይዎ ተወፋይነትን ጽንዓትን 33 ነፈርቲ ከምዘዕነዉ ጠቒሱ፡ መንእሰይ ወለዶ ነዚን ካልእ ብኤርትራውያን መንእሰያት ዝተፈጸመ ቅያታትን ውዕሎታትን ብምውራስ፡ ታሪኾም ክፈልጡን ክትንትኑን ተላብዩ።

እቲ ዕዉት ስርሒት፡ ውጽኢት ደቂቕ መጽናዕትን ውህደት ህዝብን ተጋዳላይን ከምዝነበረ ብዝርዝር ዝገለጸ ኣቶ ሰለሙን፡ ታሪኽና ታሪኽ ወለዶታት ስለዝኾነ፡ ነዚ ታሪኽ’ዚ ንምዕቃብን ንምህብታምን፡ መንእሰያት ኣንበብትን ኣበርከትቲን ክዀኑ ኣዘኻኺሩ።

ሓላፊ ሃማመተኤ ዞባ ዓንሰባ መንእሰይ ኣዛዚ በረኸትኣብ ብወገኑ፡ መንእሰያት ተራሕዩሎም ንዘሎ ዕድላት ብግቡእ ተጠቒሞም፡ ኣብ ምምርማርን ምዕቃብን ታሪኾም፡ ባህሎምን መንነቶምን ዕቱባት ክኾኑ ተላብዩ።

ኣመሓዳሪ ዞባ ዓንሰባ ኣምባሳደር ዓብደላ ሙሳ፡ ናይ ሓንቲ ሃገር ብልጽግና ብዝተማህረ ዓቕሚ-ሰባ ከምዝረጋገጽ ብምዝኽኻር፡ መንእሰያት ኣብ ኩሉ ዓውድታት ተወዳደርትን ተመራመርትን ንምዃን፡ ኣንበብቲ፡ ጸሓፍትን ሃየስትን ክኾኑ ኣተሓሳሲቡ።

Categories