ወለዲ፡ ተመሃሮ ደቆም ካብ ዘይስነምግባራዊ ተግባራትን ገበናትን ርሒቖም ብሉጻትን ኣፍረይትን ንክኾኑ፡ ኣብ ምክትታሎምን ምምእዛኖምን ዝገብርዎ ኣበርክቶ ከዕዝዙ፡ ግዝያዊ ኣዛዚ ፖሊስ ዞባ ማእከል ኣዘኻኺሩ።

ሌተና ኮሎኔል ግርማይ ገብረሚካኤል፡ ብ10 ግንቦት ምስ ወለዲ፡ ሓለፍቲ ጨንፈር ሚኒስትሪ ትምህርቲ፡ ርእሳነ-መማህራን፡ ኣመሓደርቲ ንኡሳን ዞባታት ዕዳጋሓሙስን ኣባ-ሻውልን ኣብ ዝገበሮ ርክብ፡ ነውሪታትን ዘይስነ-ምግባራዊ ተርእዮታትን ብኣጋ ንምግታእ፡ ወለዲ ምስ ፖሊስን ካልኦት ዝምልከቶም ኣካላትን ብውህደት ክሰርሑ ጸዊዑ።

ዘይስነ-ምግባራዊ ተግባራት ዝፍጽሙ ተመሃሮ ዕድመኦም ካብ 15 ክሳብ 17 ምዃኑ ዝሓበረ ሌተና ኮሎኔል ግርማይ፡ ኣብ’ዚ ሒዝናዮ ዘሎና ዓመት ብጉጅለኣዊ ባእሲን ብካልእ ዘይስነ-ምግባራዊ ተግባራትን ዝተኸሱ 107 ተመሃሮ ኣብ ሕጊ ከምዝቐረቡ ገሊጹ።

ሓላፊ ጨንፈር ሚኒስትሪ ትምህርቲ ዞባ ማእከል መምህር በላይ ሃብተጋብር ብወገኑ፡ ነዚ ብተመሃሮ ዝፍጸም ዘይስነ-ምግባራዊ ተግባራት ንምግታእ፡ እቲ ጨንፈር ምስ ኩሎም መሓውራቱ ብዕቱብ ከምዝሰርሕ ብምርግጋጽ፡ ወለዲ ኩነታት ደቆም ብግቡእ ክከታተሉን ክግስጹን ኣተሓሳሲቡ።

ተሳተፍቲ፡ ብምውህሃድ ፖሊስን ጨንፈር ሚኒስትሪ ትምህርትን ዝካየድ ጐስጓሳት ክሕይል፣ ንትሕቲ ዕድመ ገበነኛታት ኣራሚ ትምህርቲ ብምሃብ ብቑዓት ዜጋታት ንምግባሮም ክጸዓር፣ ርክብ ወለድን ኣብያተትምህርትን ክድልድል ዝብሉ ርእይቶታት ኣቕሪቦም።

Categories