ሚኒስትሪ ጥዕና፡ ትካላት ጥዕና ዘመናዊ መሳርሒታት ዓጢቐን ዝህባኦ ኣገልግሎት ንምምዕባልን ንምስፋሕን ክገብሮ ብዝጸንሐ ወፍሪ፡ ኣብ ዞባ ጋሽ-ባርካ ኣድማዒ ውጽኢት ይምዝገብ ከምዘሎ፡ ዳይረክተር ጨንፈር ሚኒስትሪ ጥዕና ናይ’ቲ ዞባ ዶ/ር ሓየሎም ኪዳነ ሓቢሩ።

ኣብ 2020ን 2021ን፡ ኣብ’ቲ ዞባ ዝርከባ ሆስፒታላት፡ ማእከላትን መደበራትን ጥዕና፡ ሕማማት ንምንጻርን ንምሕካምን ዝሕግዙ ወሰንቲ መሳርሒታት ክዓጥቃን ጸሓያዊ ጸዓት ክዋደደለንን ብምኽኣሉ፡ ኣገልግሎታት ደረጃኡ ክብ ከምዝበለ ኣረዲኡ።

ብፍላይ መወከሲ ሆስፒታል ባረንቱ ነቲ ብደረጃ ሃገር ዝተበጽሐ ብቕዓት መሳርሒታት ዝዳረግ ዘመናዊ ናውቲ ሕክምና ተማሊኡሉ ከምዘሎ ዝገለጸ ዶ/ር ሓየሎም፡ ህዝቢ’ቲ ዞባ ዝለዓለ ኣገልግሎት ንምርካብ ናብ ኣስመራ ዝኸደሉ ምኽንያት ከምዘየለ ኣረጋጊጹ።

እቲ ዝተኣታተወ መሳርሒታት – ብቐንዱ ሕማማት ንምክትታልን ንምንጻርን፡ ንሕርሲን መብጣሕቲን ዘገልግል ናውቲ ከምዘጠቓልል ድማ ሓቢሩ።

ዶ/ር ሓየሎም፡ ሕብረተሰብ ነቲ ካብ ኮለልን ሃልኪን ኣናጊፉ ዝተማልአ ኣገልግሎት ኣብ ምሃብ ዝርከብ ናውቲ ሕክምና ብግቡእ ክጥቀመሉ፣ ሞያውያን ድማ ኣብ ኣተሓሕዛኡን ኣተዓቓቕባኡን ዕቱብነት ከሐይሉ ተላብዩ።

Categories