ሚኒስትሪ ዕዮን ማሕበራዊ ድሕነትን፡ ኣብ ኣስመራ – ንኡስ ዞባ ኣኽሪያ ኣብ ዝርከብ ‘ማእከል ስልጠና ደብዓት’ ንሸውዓተ ኣዋርሕ ብዝተፈላለየ ሞያታት ዘሰልጠኖም 206 ኣለይቲ ስድራ፡ ብ6 ግንቦት ኣመሪቑ።

ካብ 16 ንኡሳን ዞባታት ማእከልን ሚኒስትሪ ዕዮን ማሕበራዊ ድሕነትን ዝተዋጽኡ ሰልጠንቲ፡ 83 ቅዲ-ክዳንን ስፌትን፣ 45 ስራሓት ኢደ-ጥበብ፣ 76 ሞያ ምስሳይን ኣሰራርሓ መግቢን፣ ክልተ ድማ ጽገና ሰፈይቲ ክዳን መካይን እዮም ተማሂሮም።

ኣብ’ቲ ናይ መመረቕታ ስነ-ስርዓት፡ ኣካያዲት ስራሕ ‘ማእከል ስልጠና ደብዓት’ ወ/ሮ ጅምዓ መሓመድ-ኑር፡ ሰብሰርሖ ይኹን ባህርያዊ ብድሆታት ኣብ ማሕበረ-ቊጠባዊ ኩነታት ስድራ-ቤታት ብሓፈሻ፡ ኣብተን ብደቂ-ኣንስትዮ ዝእለያ ድማ ብፍላይ ክብደት ከምዘለዎ ኣገንዚባ።

ካብ ሰልጠንቲ – 98.5 ሚእታዊት ብጽቡቕ ውጽኢት ምዝዛሞም፡ መርኣያ ሓያል ድሌቶምን ተወፋይነት ኣሰልጠንቶምን ምዃኑ ድማ ኣስሚራትሉ።

ሚኒስተር ዕዮን ማሕበራዊ ድሕነትን ወ/ሮ ልኡል ገብረኣብ፡ እቲ መደብ ውጽኢት ተመላላእነት ዝምልከተን መሻርኽቲ ኣካላት ምዃኑ ጠቒሳ፡ ምምሕያሽ መነባብሮ ዜጋታት ማእከል ዝገበሩ ተመሳሰልቲ ስልጠናታት፡ ዕድላት ስራሕ ንምፍጣር ባይታ ዘጣጥሑ ብምዃኖም – ብቐጻሊ ክስራሓሎም ኣዘኻኺራ።

ወኪል ተመረቕቲ እውን፡ ስለ’ቲ ዝተዋህቦም ዕድልን ዝተገብረ ወጻኢታትን ምስጋና ድሕሪ ምቕራብ፡ ከም’ዚ ዝኣመሰለ ኣገዳሲ ስልጠናታት ብዝለዓለ ክድፋኣሉ ተላብያ።

ኣብ መወዳእታ፡ ንተመረቕቲን ኣብ’ቲ ስልጠና ኣበርክቶ ንዝነበሮም ኣካላትን፡ ወረቐት ምስክር ተዓዲሉ።

Categories