ኣባል ኩባንያ ብድሆ ሓፈሻዊ ህንጸት – ገዲም ተጋዳላይ ኣስገዶም ወልደማርያም ገብረወልዲ፡ ብ7 ግንቦት ኣብ መበል 65 ዓመት ዕድመኡ ብሃንደበታዊ ሕማም ተሰዊኡ።

ኣብ ወርሒ ግንቦት 1974 ኣብ መሳርዕ ህዝባዊ ሓይልታት ሓርነት ኤርትራ ዝተሰለፈ ተጋዳላይ ኣስገዶም ወልደማርያም፡ ኣብ እዋን ብረታዊ ቃልሲ ኣብ ተዋጋኢ ሰራዊት ክሳብ ብደረጃ መራሕ ጋንታ፣ ከምኡ’ውን መራሕ ስራሕ ኣሃዱ ግብሪን ቀረጽን፣ ዕድግን ሸቐጥን፣ ኣብ ክፍሊ መጓዓዝያ ሓላፊ ምውፋርን ኣብ ክፍሊ ህንጻን፣ ድሕሪ ናጽነት ድማ ኣብ ዝተፈላለያ ኣካላት ኩባንያ ብድሆ ሓፈሻዊ ህንጸት ተመዲቡ ንህዝቡን ሃገሩን ብተወፋይነት ዘገልገል ሓርበኛ እዩ።

ስውእ ተጋዳላይ ኣስገዶም ወልደማርያም፡ በዓል ሓዳርን ኣቦ 6 ደቂን እዩ።

ስነ-ስርዓት ቀብሩ ድማ፡ ሰንበት 8 ግንቦት ሰዓት 4፡00 ድሕሪ-ቐትሪ ኣብ መካነመቓብር ሓርበኛታት ኣስመራ ተፈጺሙ።

ኩባንያ ብድሆ ሓፈሻዊ ህንጸት፡ ብመስዋእቲ ገዲም ኣባሉ ተጋዳላይ ኣስገዶም ወልደማርያም ዝተሰመዖ ሓዘን እናገለጸ፡ ንስድራ-ቤቱ፡ መቓልስቱን መሳርሕቱን “ጽንዓት ይሃብኩም” ኢሉ።

Categories