ማሕበር ኣፍረይቲ ንህቢ ንኡስ ዞባ ጊንዳዕ፡ ብ5 ግንቦት – ሳልሳይ ጉባኤኡ ኣቃኒዑ።

ብመሰረት ቅዋም ማሕበር፡ እቲ ጉባኤ ዓመት-ዓመት እኳ ክካየድ እንተነበሮ፡ ብሰንኪ ስግኣት ለበዳ ኮሮና ቫይረስ ተደናጒዩ ከምዝጸንሐ፡ ጸሓፊ ማሕበር ኣቶ ንኣምን ባህልቢ ገሊጹ።

ኣብ ማሕበር ምጥርናፍ፡ ናይ ሓባር ዕላማታትን ርድኢትን ፈጢርካ ውሁድ ጻዕሪ ንሓባራዊ ዕብየት ንምክያድ ከምዝሕግዝ ዝሓበረ ኣቶ ንኣምን፡ ማሕበሮም ዝተበገሰሉ ዕላማታት ንምስማር ሓያል ጻዕሪ ከምዘካይድ ኣብሪሁ።

ኣመሓዳሪ ንኡስ ዞባ ጊንዳዕ ኣቶ ዑመር ያሕያ፡ ኣፍረይቲ ንህቢ ዕቑር ጸጋታት ናይ’ቲ ንኡስ ዞባ ብግቡእ እንተደኣ መዝሚዞምዎ፡ ካብ ንኡስ ዞባኦም ሓሊፎም ጠለባት ካልእ ከባቢታት ንምምላእ ክሕግዙ ከምዝኽእሉ ኣገንዚቡ።

ኣብ መወዳእታ ጉባኤኛታት፡ 5 ዝኣባላታ ንኽልተ ዓመታት እተገልግሎም ኮሚተ ኣብ ርእሲ ምምራጽ፡፡

ቆፎታቶም ብሰለስተ ዕጽፊ ክብ ከብልዎን ኣብ ከተማ ጊንዳዕ ነቝጣ መሸጣ መዓር ክኸፍቱን ተሰማሚዖም።

Categories