ሃገራዊ ማሕበር ኣእምሮኣውን ምዕባለኣውን ስንኩላን ኤርትራ (ሃ.ማ.ኣ.ም.ስ.ኤ)፡ ስንኩላን ቈልዑ ንዝኣልያ 2,265 ስድራ-ቤታት፡ 1.3 ሚልዮን ናቕፋ ዝዋጋኡ ዓይነታዊ ሓገዝ ገይሩ።

ኣብ’ቲ ማሕበር ሓላፊት ውዳበን ምክትታል ዞባታትን ወ/ሮ ይብራኣለም የዕብዮ፡ እቲ ካብ ኩለን ዞባታት ንዝተለለያ ጽጉማት ስድራ-ቤታት ዝተዋህበ ሓገዝ፡ ኣብ ዕለታዊ ህይወተን ደገፍ ዝዀነን ናውትን መነጻጽህን ከምዘጠቓልል ሓቢራ።

ዛጊት ኣብ ዞባታት ማእከልን ደቡባዊ ቀይሕ ባሕሪን ከምእተዓደለን፡ እቲ መስርሕ ይቕጽል ከምዘሎን ድማ ገሊጻ።

ኣእምሮኣውን ምዕባለኣውን ስንክልና ዘለዎም ቈልዑ ብሓፈሻ፡ ኣለይቶም ድማ ብፍላይ ደገፍ ዝረኽቡሉ ባይታ ንምጥጣሕ፡ ምስ መንግስትን ዝምልከቶም ኣካላትን ተወሃሂድካ ይስራሓሉ ከምዘሎ ዝሓበረት ወ/ሮ ይብራኣለም፡ ነቶም ቈልዑ ዘገልግላ ኣብ መላእ ሃገር ዝርከባ 19 ኣብያተትምህርቲ፡ ናቱ ውጽኢት ምዃነን ኣረዲኣ።

ወለዲ ደቆም ናብ መኣዲ ትምህርቲ ክልእኩ ድማ ኣዘኻኺራ።

ማሕበር፡ ኣብ መላእ ሃገር ን4 ሽሕ ኣእምሮኣውን ምዕባለኣውን ስንክልና ዘለዎም ቈልዑ ዝኣልያ ስድራ-ቤታት ከምዝጥርንፍ፣ ምስ’ቲ ብቐጻሊ ዝወሃብ ናብ ኣተሓሕዛን ኣተኣላልያን ስንኩላን ቈልዑ ዝቐንዐ ስልጠናታትን ውጽኢቱን ከኣ፡ ቊጽሪ ዝጥርነፋ ስድራ-ቤታት እናወሰኸ ይመጽእ ከምዘሎ ኣገንዚባ።

Categories