ኣብ ምምሕዳር ከባቢ ዓድ-ዑመር፡ መበቈላውያን ኣግራብ ንምዕቃብ ዝተወስደ ስጉምቲ፡ ኣተባባዒ ውጽኢት ተረኺብዎ።

ኣመሓዳሪ’ቲ ምምሕዳር ከባቢ ኣቶ መሓመድ መሓመድ-ኢብራሂም፡ ብህዝቢ ዝተመርጹ ሓለዋ ኣግራብን በብእዋኑ ዝካየድ ንጥፈታት ምዕቃብ ማይን ሓመድን፡ ደፋኢ ተራ ከምዝነበሮም ጠቒሱ፡ ኣብ’ዚ እዋን’ዚ ብርሰት ተወጊዱ፡ ሃብቲ ገረብ ኣብ ዝሓሸ ኩነታት ከምዝርከብ ገሊጹ።

ኣከባቢ ንምርጋእ፡ ተፈጥሮኣዊ ጸጋታት ንምዕቃብን ጽርግያታት ንምጽጋንን ክውደብ ዝጸንሐ ወፈራዊ ስራሓት፡ ብዝዓዘዘ ኣገባብ ክቕጽል ምዃኑ እውን ብተወሳኺ ኣፍሊጡ።

ኣቶ መሓመድ፡ ኣብ ጤለ-በጊዕ ዝርአ ዘሎ ፍሉይ ዓይነት ሕማማት ንምፍዋስ፡ ሚኒስትሪ ሕርሻ ሞያውያን ልኢኹ ክምርምሮን እኹል መድሃኒት ክቕርበሎምን ተላብዩ።

ምምሕዳር ከባቢ ዓድ-ዑመር፡ ልዕሊ 2,150 ነበርቲ ኣለውዋ።

Categories