ኣብ ዞባ ዓንሰባ፡ ጥሕሰት ሕጊ ትራፊክ ዝጠንቁ ሓደጋታት ተሽከርከርቲ ንምግታእ፡ ዕቱብ ስጒምትታት ክትግበር – ኤሪና ዝተወከሰቶም ነበርቲ ዝተፈላለያ ንኡሳን ዞባታት ሓቲቶም።

ሓደጋታት ተሽከርከርቲ፡ ኣብ ቀዳሞት ሰለስተ ኣዋርሕ ናይ 2022 ከምዝወሰኸ ዝሕብር – ኣብ ማዕከናት ዜና ዝተቓልሐ ጸብጻብ ፖሊስ፡ ቅልጡፍ ስጒምቲ ክውሰድ ዘዘኻኽር ምዃኑ ዝጠቐሱ’ቶም ወሃብቲ ርእይቶ፡ ጐድኒ-ጐድኒ እቲ ንቕሓት ተጠቀምቲ ጽርግያ ክብ ንምባል ዝካየድ ጐስጓሳት፡ ሓደጋ ንዝፈጸሙ ዝብየን መቕጻዕቲ ክተርር፣ ብተደጋጋሚ ንዝፍጽሙ ድማ ክሳብ ምሕዳግ መምርሒ ፍቓድን ምውራድ ታርጋን ዝበጽሕ መቕጻዕቲ ክተኣታቶ ተማሕጺኖም።

ቀንዲ ጠንቅታት ሓደጋታት – ክቱር ናህሪ፡ ንኣጋር ቀዳምነት ዘይምሃብ፡ ኣፍልጦ ሕጊ ትራፊክ ዘይምህላው፡ ብዘይመምርሒ ፍቓድ ምዝዋር፡ ዘይምቹእነት ጽርግያ፡ ጉድለት ተክኒካዊ ብቕዓት መኪና፡ ልዕሊ ዓቐን ምጽዓን. . . ከምዘጠቓልል እዩ፡ ጸብጻብ ፖሊስ ዞባ ዓንሰባ ዘነጽር።

ኣብ ፖሊስ ዞባ ዓንሰባ – ሓላፊ ሓደጋን መርመራን ኣቶ ግርማይ ተስፋይ ዝሓለፈ ቅንያት ንኤሪና ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ፡ ኣብ ቀዳማይ ርብዒ ዓመት ብጠቕላላ 4,262 ጥሕሰት ሕጊ ትራፊክ ከምእተመዝገበን፡ 103 ሓደጋታት ከምእተፈጸመን ብምምልካት፡ እዚ ካብ’ቲ ኣብ ራብዓይ ርብዒ ዓመት ናይ 2021 ዝተፈጸመ – ብ37 ሚእታዊት ከምዝወሰኸ ገሊጹ ነይሩ።

ኣብ ተመሳሳሊ ዜና ናይ’ቲ ዞባ፡ ብ3 ግንቦት ኣብ መስመር ሓጋዝ – ከርመድ ብዘጋጠመ ሓደጋ ምግልባጥ መኪና፡ 22 ዜጋታት ከቢድን ፈኲስን ኣካላዊ ጉድኣት ከምዝወረዶም፡ ወኪል ኤሪና ሓቢሩ።

እታ ER-1B-5082 ቊጽሪ ሰሌዳ ዝሰቐለት ‘ቶዮታ ሃይላክስ’ ዝዓይነታ ንእሽቶ መኪና፡ ኣብ ርእሲ’ቲ ልዕሊ ዓቐን ጽዕነታ – ናህሪ ስለዝነበራ፡ ኣብ ከባቢ ወንጀብ ምስ በጽሐት ከምእተገምጠለት፡ መደበር ፖሊስ ንኡስ ዞባ ሓጋዝ ገሊጹ።

Categories