ኣብ ከተማ ኣስመራ እትርከብ – ቤትትምህርቲ ሓፈሻዊ ካልኣይ ደረጃ ቀይሕ ባሕሪ፡ ኣብ ሃገራዊ መርመራ 12 ክፍሊ ካብ 3 ክሳብ 4 ምሉእ ነጥቢ ዘምጽኡ 146 ተመሃሮ ኣባላት መበል 33ን 34ን ዙርያ ሃገራዊ ኣገልግሎት ሸሊማ።

ካብኣቶም እተን 67 ደቂ-ኣንስትዮ እየን።

ብ1 ግንቦት ኣብ ዝተኻየደ ስነ-ስርዓት፡ ርእሰ-መምህር ናይ’ታ ቤት-ትምህርቲ መምህር ወርሽ ኪዳነ፡ እቲ ናይ ምሽላም መደብ፡ ኣብ መንጎ ተመሃሮ ናይ ተወዳዳርነት መንፈስ ንምዕባይን ኣብ ቀጻሊ ትምህርቶም ናህሪ ንምውሳኽን፣ ኣብ መንጎ መማህራንን ሰራሕተኛታትን ድማ ቅዱስ ቅንኢ ንምፍጣር ዝዓለመ ምዃኑ ገሊጹ።

ሓላፊ ጨንፈር ሚኒስትሪ ትምህርቲ ዞባ ማእከል መምህር በላይ ሃብተጋብር ድማ፡ ተመሃሮ ግዜኦም ብግቡእ ተጠቒሞም ንዝበረኸ ዓወት ክጽዕሩን ካብ ኣሉታዊ ጽልዋ መዘና ርሒቖም ራኢኦም ከስምሩን፣ መማህራን እውን ዝተሰከምዎ ረዚን ሓላፍነት ተገንዚቦም ብቑዓት ተመሃሮ ንምፍራይ ብዕቱብ ክሰርሑ ኣተሓሳሲቡ።

ኣብ’ቲ ኣጋጣሚ፡ 40 ብሉጻት ተመሃሮ ካብ 9ይ ክሳብ 11 ክፍሊ፣ ኣብነታውያን መማህራን፡ ሰራሕተኛታትን ወለድን እውን ተሸሊሞም።

ብኻልእ ወገን፡ ናይ መባእታ፡ ማእከላይን ካልኣይን ደረጃ ቤት-ትምህርቲ ደምበሰምበል፡ ብደገፍ ኮም ብ2.4 ሚልዮን ናቕፋ ዘስረሓቶ፡ ኣብ መስርሕ ምምሃርን ምስትምሃርን እወታዊ ተራ ዝገብር ሰለስተ ሓደስቲ ክፍልታት ኣመሪቓ።

ኣብ’ቲ ዝተኻየደ ስነ-ስርዓት፡ ኣቦ-መንበር ኮሚተ ወለዲ ኣቶ ሚኪኤል ነጋሽ፡ እቲ ኣብ 1273 ትርብዒት ሜተር ዝተሃንጸ ሓደስቲ ክፍልታት፡ ንዝጸንሐ ጽበት ቤተፈተነን ኦድዮ ቪዥዋልን ዝፈትሕ ምዃኑ ሓቢሩ።

ሓላፊ ኣብያተ-ትምህርቲ ካልኣይ ደረጃ ዞባ ማእከል፡ መምህር ዮውሃንስ ሰለሙን ብወገኑ፡ ተመሃሮ ኣገዳስነት ናይ’ቲ ቤተፈተነን ኦድዮ ቪዥዋልን ኣብ መስርሕ ትምህርቲ ተገንዚቦም፡ ብግቡእ ክጥቀሙሉ ተላብዩ።

Categories