ኣብ ዞባ ዓንሰባ፡ ጥሕሰት ሕጊ ትራፊክ ዝጠንቁ ሓደጋታት ተሽከርከርቲ፡ ኣብ ቀዳሞት ሰለስተ ኣዋርሕ ናይ 2022 ከምዝወሰኸ፡ ጸብጻብ ፖሊስ ሓቢሩ።

ሓላፊ ሓደጋን መርመራን ኣቶ ግርማይ ተስፋይ፡ ኣብ ቀዳማይ ርብዒ ዓመት ብጠቕላላ 4,262 ጥሕሰት ሕጊ ትራፊክ ከምእተመዝገበ፣ ከምኡ’ውን 103 ሓደጋታት ከምእተፈጸመ፡ እዚ ድማ ካብ’ቲ ኣብ ራብዓይ ርብዒ ዓመት ናይ 2021 ዝተፈጸመ ብ37 ሚእታዊት ከምዝወሰኸ ገሊጹ።

ኣብ ህይወት ሰብን ንብረትን ንዝወረደ ክሳራ ብዝምልከት ኣቶ ግርማይ፡ 2 ሰባት ከምዝሞቱ፡ 42 ኣካላዊ ጉድኣት ከምዝወረዶም፣ ኣብ ንብረት ዝወረደ ዕንወት ድማ ልዕሊ 1.5 ሚልዮን ናቕፋ ከምዝግመት ኣረዲኡ።

ካብ ቀንዲ ጠንቅታት ሓደጋ፡ ክቱር ናህሪ፡ ንኣጋር ቀዳምነት ዘይምሃብ፡ ኣፍልጦ ሕጊ ትራፊክ ዘይምህላው፡ ብዘይ መምርሒ ፍቓድ ምዝዋር፡ ዘይምቹእነት ጽርግያ፡ ተክኒካዊ ብቕዓት መኪና፡ ኣብ ውሽጢ ከተማ መሰጋገሪ ኣጋር ዜብራ ዘይምህላው፡ ልዕሊ ዓቐን ምጽዓን ከምዘጠቓልል ዝጠቐሰ ኣቶ ግርማይ፡ ኣጋር ንዓኦም ብዝተወሰነ መስመር ክጥቀሙን መምርሒታት ፖሊስ ብግቡእ ከተግብሩን ተላብዩ።

ኣብ ዝሓለፈ ዓመት፡ ኣብ ዞባ ዓንሰባ ሕጊ ትራፊክ ዝጠሓሳ ተሽከርከርቲ 10,724 ምንባረን፡ ሰነዳት ፖሊስ ዞባ ዓንሰባ የነጽር።

Categories