ኣብ ንኡስ ዞባ ዓዲ-ዃላ – ምምሕዳራት ከባቢ ዳምባ-ምጭን ዑና-ጋዕቤንን ብ23 ሚያዝያ ዝሃረመ በረድ ዝተሓወሶ ዝናብ፡ ኣብ ጥሪትን መስመር መጓዓዝያን ጉድኣት ኣውሪዱ።

ብመሰረት ደንጒዩ ዝበጽሓና ሓበሬታ፡ በቲ ንልዕሊ ክልተ ሰዓታት ዝወቕዐ ብርቱዕ ዝናብ፡ ልዕሊ 30 ጥሪት ብውሕጅ ክውሰዳ እንከለዋ፡ ካብ ጋዕቤን ናብ ማይ-ኣልባ ዝኣቱ ናይ ሓመድ ጽርግያ ከምእተበላሸወ ተፈሊጡ።

ኣብ ዞባ ደቡብ፡ ኣብ’ዚ ሒዝናዮ ዘለና ወርሒ ሚያዝያ፡ ሓሓሊፉ ብህቦብላን በረድን ዝተሰነየ ዝናብ ኣብ ጀራዲን መጠናዊ ጉድኣት የወርድ ከምዘሎ፡ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ።

Categories