ቤት-ጽሕፈት ሕርሻ ኣብ ንኡስ ዞባ ዓዲቐይሕ፡ ካብ ምምሕዳራት ከባቢ ሓይነባ፡ ተኾንዳዕ፡ ሲብራሶ፡ ሃዳሙ፡ መንደፈራን ማእለውያን ንዝተዋጽኡ ኣብነታውያን ሓረስቶት፡ ብዛዕባ ኣደላልዋ ባህርያዊ ድዂዒ (ኮምፖስት) ስልጠና ሂቡ።

እቲ ትምህርቲ፡ ባህራዊ ድዂዒ ኣብ ምህብታም ትሕዝቶ ሓመድ፣ ሳዕቤናት ቀመማዊ ድዂዒ ኣብ ብከላ ኣከባቢ፣ ከምኡ’ውን ብግብሪ ዝተሰነየ ኣገባባት ምድላው ኮምፖስት ከምዘጠቓልል፡ ኣብ ቤት-ጽሕፈት ሕርሻ’ቲ ንኡስ ዞባ ሓላፊት ምክልኻል ብቚሊ መንእሰይ ሙንታዛ ስምኦን ሓቢራ።

ንሓረስቶት ግብራዊ ተመኲሮ ዘቕስምን፡ ኣብ መዓልታዊ ንጥፈታቶም ከዘውትርዎ ዘተባብዕን ኮይኑ ከምእተዳለወ ዝሓበረት መንእሰይ ሙንታዛ፡ ሓረስቶት ካብ ተጸባይነት ከሚካላዊ ድዂዒ ንምግልጋል ዝዓለመ ከምዝዀነ ገሊጻ።

እቶም ሓረስቶት፡ ካብ’ቲ ትምህርቲ ኣገዳሲ ኣፍልጦ ከምዝቐሰሙ ብምርግጋጽ፡ እቲ ዕድል ንካልኦት ሓረስቶት እውን ክወሃብ ኣዘኻኺሮም።

Categories