ኣብ ዞባታት ማእከልን ጋሽ-ባርካን፡ ንተመሃሮ ዝተፈላለያ ኣብያተ-ትምህርቲ፡ ብዛዕባ ምክልኻል ገበናትን ምሕላው ክብርታትን ኣስተምህሮታት ተዋሂቡ።

ኣዘዝቲ ቀዳማይን ራብዓይን መደበራት ፖሊስ – ኣስመራ፡ ኣብ ኣብያተ-ትምህርቲ 2ይ ደረጃ ባርካ፡ ማእከላይ ደረጃ እምባጠቐራ፡ ከምኡ’ውን ኣብ መባእታን ማእከላይን ደረጃ ቤትትምህርቲ ሞዴል፡ ብ27 ሚያዝያ ኣብ ዝሃብዎ ኣስተምህሮ፡ ብሉጽ ክብርታት ዝውንን ተመሃራይ ንምዂስኳስ፡ ስድራቤታትን ኣብያተ-ትምህርትን ብውህደት ክሰርሓ ኣዘኻኺሮም።

እቶም ኣዘዝቲ ፖሊስ፡ ተመሃሮ፡ ካብ ገበናትን ነውሪታትን ርሒቖም ኣውሓስቲ ሰላም ከባቢኦም ክኾኑ፣ ኣብ ዕማማት ፖሊስ ድማ ኣበርክቶኦም ከዕዝዙ መኺሮም።

ርእሳነ-መማህራን ናይ’ተን ኣብያተትምህርቲ፡ እቲ ኣስተምህሮ ኣብ ምምእዛን ተመሃሮ ኣገዳሲ ምዃኑ ብምርግጋጽ፡ ተርእዮታት ገበን ኣብ ዝኽሰተሉ እዋን ኣብ ክንዲ ዝኸውን – ብስሩዕ ክካየድን ናይ ግዜ ሰሌዳ ክወጽኣሉን ኣተሓሳሲቦም።

ኣብ ሻምብቆ ብተመሳሳሊ፡ ኣብ ዝሓለፈ ቅንያት – ኣዛዚ መደበር ፖሊስ ናይ’ቲ ንኡስ ዞባ፡ ኮፕራል ብጹእኣምላኽ ዓንደብርሃን፡ ምስ ተመሃሮን ህዝብን ኣብ ዝገበሮ ርክብ፡ ምትሕብባሮም ምስ ፖሊስ ከዕዝዙ ኣዘኻኺሩ።

ኣብ ውሽጢ ሕብረተ-ሰብ ዝኽሰት ገበናትን በደላትን፡ ከምኡ’ውን ብሰንኪ ሸለልትነት ዝስዕብ ሓደጋታት ትራፊክ፡ ክንኪን ክግታእን ዝኽእል – ኣብ ሕጊ

Categories