ብሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ኣቶ ዑስማን ሳልሕን ኣማኻሪ ፕረዚደንት ኣቶ የማነ ገብረኣብን ዝቘመ ላዕለዋይ ልኡኽ ኤርትራ፡ ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ፈደረሽን ሩስያ ሰርጌ ላቭሮቭ ብዝገበረሉ ዕድመ መሰረት፡ ኣብ ሩስያ ናይ ክልተ መዓልታት ናይ ስራሕ ምብጻሕ ይፍጽም ኣሎ።

ትማሊ ኣብ ዝተገብረ ርክብ፡ ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ፈደረሽን ሩስያ ሰርጌ ላቭሮቭ፡ ንላዕለዋይ ልኡኽ ኤርትራ፡ ብዛዕባ መበቈል ኲናት ዩክሬን፡ ዕላማ ሩስያን ህልው ኩነታትን መብርሂ ሂቡ።

ኣብ’ቲ ርክብን ዝሰዓበ ሓባራዊ ጋዜጣዊ መግለጽን፡ ላዕለዋይ ልኡኽ ኤርትራ፡ መትከላዊ መርገጺ ኤርትራ ብምርግጋጽ፡ ሩስያን ዩክሬንን ኣብ መንጐአን ንዘሎ ግጭት ብክልተኣዊ ልዝብ ፍታሕ ከናድያሉ ጸዊዑ።

ክልቲኦም ወገናት ብተወሳኺ፡ ኣብ ህልው ኩነታት ዞባ ቀርኒ ኣፍሪቃን ኣህጉር ኣፍሪቃ ብሓፈሻን፡ ሓሳብ ንሓሳብ ተለዋዊጦም።

ንክልተኣዊ ዝምድና ብዝምልከት ድማ፡ ኤርትራን ሩስያን – ፖለቲካዊ፡ ዲፕሎማስያዊ፡ ንግዳዊ፡ ወፍራዊ፡ ትምህርታውን ባህላውን ዝምድናአን ንምምዕባል፡ ጭቡጥ ስጒምቲታት ክወስዳ ተረዳዲኦም።

Categories