ኣብ መደበር ጥዕና ኩዶ-ፈላሲ – ንኡስ ዞባ መንደፈራ፡ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት 21 ሚእታዊት ዝነበረ ተጠቃምነት ኣገልግሎት ሕርሲ፡ ሎሚ ዓመት ናብ 35 ሚእታዊት ክብ ከምዝበለ፡ ሓላፊ’ታ መደበር ጥዕና ነርስ ኣማኑኤል ተስፋገርጊስ ሓቢሩ።

እታ መደበር ጥዕና፡ ንነበርቲ 13 ዓድታት ምምሕዳራት ከባቢ ኩዶ-ፈላሲን ምሕራም ጌዶን፡ ከምኡ’ውን ን5 ዓድታት ንኡስ ዞባ እምኒ-ሓይሊ ጥዕናዊ ኣገልግሎት ከምእትህብ ዝሓበረ ነርስ ኣማኑኤል፡ ዋሕዲ ክፍልታት ንንጥፈታቶም ይድርቶ ከምዘሎ ኣገንዚቡ።

ኣገልግሎታት ቅድሚን ድሕሪን ሕርሲ፡ ምክትታል ጥዕና ህጻናትን ቈልዑን፡ መርመራታት ኤች.ኣይ.ቪ/ኤይድስን ሕማም ቲቢን፡ ከምኡ’ውን ምክትታል ጥዕና ስድራ-ቤታት ክሳብ ርሑቕ ዓድታት እናኸድካ ከምዝወሃብ፡ ኮም ዝሰረቱ ጥዕና ሕብረተ-ሰብ ንምውሓስን ሕማም ዓሶ ንምግታእን እውን ዕቱብ ጻዕርታት ከምዝካየድ ኣረዲኡ።

መደበር ጥዕና ኩዶ-ፈላሲ፡ ንዓድታት ኩዶፈላሲ፡ ደርዓንቶ፡ ዓዲ-ዓዳ፡ እምበዛርብ፡ ዓዲ-ጋዕባ፡ ዓዲ-ጻውራ፡ ደብሪ፡ እምባከታይ፡ ዓዲ-ሸቋኖ፡ ኦኦ፡ ምሕራም-ጌዶ፡ ሱሪን ዑናመጎጎን፡ ከምኡ’ውን ንሓሙሽተ ዓድታት ንኡስ ዞባ እምኒ-ሓይሊ ኣግልግሎት ትህብ።

ኣብ ምምሕዳር ከባቢ ኢንገርነ – ንኡስ ዞባ ኣቑርደት እትርከብ መደበር ጥዕና ድማ፡ ኣብ ርእሲ’ቲ ስሩዕ ኣገልግሎታ፡ ኣብ ተጠቃምነት ሕክምና – ንቕሓት ህዝቢ ኣብ ምብራኽ ኣገዳሲ ተራ ትጻወት ከምዘላ ተገሊጹ።

ሓላፊ’ታ መደበር ነርስ ቶማስ ኩኩ፡ ንቕሓት ሕብረተ-ሰብ ኣብ ተጠቃምነት ትካላት ጥዕና ንምዕባይ ዝሕግዝ ኣስተምህሮታት፡ ኣካል ዕለታዊ ንጥፈታቶም ከምዝዀነ ኣረዲኡ።

መደበር ጥዕና ኢንገርነ፡ ንነበርቲ ኢንገርነ፡ ዓሊባናይን ደገሰይን ኣገልግሎት ትህብ።

Categories