ኣብ ዞባ ጋሽ-ባርካ – ንኡስ ዞባ ኣብ 2021 ዝተሃንጻ ሓደስቲ ናይ መባእታ ኣብያተ-ትምህርቲ፡ ኣብ’ቲ ከባቢ ዝጸንሐ ጸገማት ትምህርቲ ከምዘቃለላ ተገሊጹ።

ሓላፊ ቤት-ጽሕፈት ሚኒስትሪ ትምህርቲ ኣብ’ቲ ንኡስ ዞባ፡ መምህር መሓመድ-ሳልሕ መሓመድ፡ እተን ኣብ ምምሕዳራት ከባቢ ሓምበክታ፡ ዴባሳታ፡ ጣሕራን ፍቱይን ዝተሃንጻ ኣብያተትምህርቲ፡ ነቲ ብሰንኪ ዘይምቹእ መምሃሪ ቦታ ዝፍጠር ዝነበረ ጸገማት ኣብ ርእሲ ምቅላለን፡ ቁጽሪ ተመሃሮ ኣብ ምውሳኽ እውን ኣበርክቶ ከምዝገበራ ኣረዲኡ።

ናይ ዳሳት ኣብያተ-ትምህርቲ ብዘመናዊ ህንጻታት ንምቕያር ዝተጀመረ መስርሕ ክድፋኣሉ ዘዘኻኸረ መምህር መሓመድ ሳልሕ፡ እተን ኣቐዲመን ዝተሃንጻ’ውን ቀጽርን ቀረብ ማይን ክዋደደለን ተላብዩ።

ኣብ ንኡስ ዞባ ሰልዓ፡ ካብ ቅድመትምህርቲ ክሳብ ካልኣይ ደረጃ ዝተዘርግሓ 22 ትካላት ትምህርቲ፡ ከምኡ’ውን 39 ነቑጣታት ትምህርቲ ንዓበይቲ ኣለዋ።

ብኻልእ ወገን ኣብ’ቲ ንኡስ ዞባ፡ ንቕሓት ሕብረተ-ሰብ ኣብ ተጠቃምነት ትካላት ጥዕና እናበረኸ ከምዝመጽአ ተገሊጹ።

ሓላፊ ማእከል ጥዕና ርከብ – ተሓጋጋዚ ነርስ እድሪስ ሁመድ፡ ኣብ’ቲ ንኡስ ዞባ ብዘይካ’ታ ማእከል ጥዕና፡ ኣብ ምምሕዳራት ከባቢ ጣሕራን ሕሩምን ክልተ መደበራት ጥዕና ከምዘለዋን፡ ኣብ ክንክን ቅድምን ድሕርን ሕርሲ፡ ምክልኻል ተመሓላለፍትን ዘይተመሓላለፍትን ሕማማት፡ ከምኡ’ውን ኣብ ኣገልግሎት ሕርሲን ምክትታል ጥዕና ኣደን ዕሸልን ዝምስገን ኣገልግሎት ይህባ ምህላወንን ሓቢሩ።

Categories