ኣብ ንኡሳን ዞባታት ዓዲ-ቐይሕን ሰንዓፈን፡ ኣፍልጦ ሕጊ ብሓፈሻ፡ ኣብ ምክልኻል ገበን፡ በደላትን ሓደጋታት ትራፊክን ዘሎ ንቕሓት ድማ ብፍላይ ክብ ንምባል፡ ንህዝብን ተመሃሮን ኣስተምህሮ ተዋሂቡ።

ኣዛዚ መደበር ፖሊስ ንኡስ ዞባ ዓዲቐይሕ ተለንተ እንድሪያስ ተኽለገርግስ፡ ዜጋታት ንሕግታትን መምርሒታትን ብምኽባርን ብሰናይ ክብርታት ሕብረተሰቦም ብምምላስን፡ ካብ ገበንን ነውሪታትን ክቑጠቡ ኣተሓሳሲቡ።

ሕጊ ዘይምፍላጥ ካብ ተሓታትነት ስለዘየድሕን፡ ተመሃሮ ነዚ ተገንዚቦም ኣብ ትምህርቶም ከድህቡ፣ ገበናት ንምክልኻልን ንፈጸምቶም ኣብ ቅድሚ ሕጊ ንምቕራብን ድማ፡ ህዝብን ተመሃሮን ምስ ፖሊስ ተወሃሂዶም ኣበርክቶኦም ከዕዝዙ ተላብዩ።

ኣብ ንኡስ ዞባ ሰንዓፈ ብተመሳሳሊ፡ ኣዛዚ መደበር ፖሊስ’ቲ ንኡስ ዞባ ካፒተን ገብረሂወት ገብረየሱስ፡ መንእሰያት ተመሃሮ ዕዉታትን ወነንቲ ብሩህ መጻእን ክኾኑ ምእንቲ ብሕጊ ክመላለሱን ካብ ገበን ክርሕቁን ብምዝኽኻር፡ ኣብ ውሽጢ ቀጽሪ ቤት-ትምህርቶም ኰነ ካብኡ ወጻኢ ዝፍጸም ዘይስነ-ምግባራዊ ተርእዮታት ኣብ ምቅላስን ገበነኛታት ኣብ ምቅላዕን ኣበርክቶኦም ከዕዝዙ ተላብዩ።

ሰናይ ሓሳብን ተግባርን፣ ዘይናትካ ዘይምድላይ፣ ንሕጊ ምእዛዝንን ንጽጉማት ምሕጋዝን ዝብሉ ክብርታት ሕብረተ-ሰብ ኤርትራ፡ ኣብ ምክልኻል ገበንን በደልን ኣገደስቲ ምዃኖም ዝሓበረ ካፒተን ገብረሂወት፡ ተመሃሮ ነዚ ክብርታት’ዚ ብግቡእ ክስዕብዎ መኺሩ።

Categories