በዓል-ስልጣን ኣግራብን እንስሳ ዘገዳምን፡ ብ26 ሚያዝያ ኣብ ኣዳራሽ ሃኮሰኤ-ኣስመራ፡ ኣብ ምንጻር ዕማማትን ኣበርክቶን መሻርኽቲ ዘተኰረ ዓውደ-ዘተ ኣካዪዱ።

ኣብ’ቲ ሚኒስተራት፡ ኣዘዝቲ ሰራዊት፡ ኣመሓደርቲ ዞባታት፡ ሓለፍቲ ትካላት መንግስቲ፡ ሃገራውያን ማሕበራት፡ ከምኡ’ውን መራሕቲ ሃይማኖት ዝተሳተፍዎ ዓውደ-ዘተ፡ ዋና ኣካያዲ ስራሕ ናይ’ቲ በዓል-ስልጣን ኮሎኔል ክንፈ ሃብቶም፡ ዛጊት ኣብ ብዙሕ ከባቢታት ተተግቢሮም ዘለዉ መደባት ሰፋሕቲ እኳ እንተዘይኰኑ፡ ጽዒትካ ለውጢ ከምዝመጽእ ዘረጋገጹ ህያው ኣብነት ምዃኖም ጠቒሱ፡ ካብ’ቲ ልሙድ ንጥፈታት ምግራብን ምፍዋስ ማይ ኩዖን ወጺእና፡ ንዝለዓለ ስራሕን ውጽኢትን ክንብገስ ከምዝግባእ ኣገንዚቡ።

ንቀንዲ ዕማማት ምምሕዳራት ኣብ ኩሉ ጽፍሒታት፣ ሓይልታት ምክልኻልን ጸጥታን፣ ዜናዊ ጐስጓሳት፣ ሚኒስትሪ ጸዓትን ማዕድንን ካልኦትን ድሕሪ ምጥቃስ ድማ፡ ሕሩምን ዓዳውን ሕዛእቲታት ዝበዝሑ ተጣሒሶም፣ ሰኣን ግቡእ ምክትታልን ሓለዋን ንብርሰት ተቓሊዖም ከምዘለዉ ብምሕባር፡ ዳግማይ ናብ ንቡር ንምምላሶም መጽናዕቲ ይካየድ ከምዘሎ ገሊጹ።

ሚኒስተር መሬት፡ ማይን ኣከባቢን ኣቶ ተስፋይ ገብረስላሰ፡ ኣብ ዘመንና ንሕብረተ-ሰብ ዓለም ዘናወጸን ዘሻቐለን ባህሪን፡ ንምውጋዶም ዝከኣል ተግባራት ደቂ-ሰብ ዝጠንቆም ግድላትን ሓደገኛ ሳዕቤናቶምን ብዙሓት ምዃኖም ጠቒሱ፡ ግሎባዊ ለውጢ ክሊማን ብርሰት ባህርያዊ ኣከባብን፡ ካብ’ቶም
ብቐዳምነት ዝስርዑ ሓደገኛ ቅልውላዋት ብምዃኖም፡ ሽፋን ብቚሊ መሬት ሃገርና ንምክልኻልን ንምንባይን፡ ከምኡ’ውን ዝበረሰ ናብ ንቡር ንምምላስ ዕቱብ ጻዕሪ ክክካየድ ከምዝግባእ ኣስሚሩሉ።

ሚኒስትር ሕርሻ ኣቶ ኣረፋይነ በርሀ ድማ፡ ሓይልታት ምክልኻል፡ ሚኒስትሪ መሬትን ማይን ኣከባቢን፡ ሚኒስትሪ ሕርሻ፡ በዓል-ስልጣን ኣግራብን እንስሳ ዘገዳምን፡ ከምኡ’ውን ሃገራውያን ማሕበራት – ሃማደኤ፡ ሃኮሰኤ፡ ሃማመተኤን ካልኦት መሻርኽትን፡ ኣብ ልምዓት ክገብርዎ ናይ ዘለዎም ኣበርክቶ ድሕሪ ምዝርዛር፡ ብደረጃ ሃገር ኣብ’ዚ መዳይ’ዚ ዝነጥፍ፡ ብበዓል-ስልጣን ኣግራብን እንስሳ ዘገዳምን ዝምራሕ ኣወሃሃዲ ኣካላት ክቐውም ሓሳብ ኣቕሪቡ።

ተሳተፍቲ ኣብ ጉጅለታት ተኸፋፊሎም፡ ኣብ ልምዓት ኣግራብን ምስሳን እንስሳ ዘገዳምን፣ ጠንቅታት ብርሰት ኣግራብን እንስሳ ዘገዳምን፣ ቀረብ ኣማራጺ ጸዓትን ካልኦት ኣማራጺታትን ከምኡ’ውን ካልኦት ዛዕባታት ሰፊሕ ምይይጥ ድሕሪ ምክያድ፡ ብርሰት ኣግራብ ንምክልኻል ክሳብ ዓዲ ዝወረደ ውዳቤታት ክህሉ፣ ትግባረ ሃገራዊ ወፍሪ ልምዓት ምግራብ ክሕይል፣ ናይ ምንቃሕ ዘመተን ጽኑዕ ሓለዋን ብቐጻሊ ክትግበር፣ ሞጐጎ ኣድሓነት ክትመሓየሽን ተጠቃምነታ ክሰፍሕን፣ ኣራሚ መቕጽዒ ሕጊ ክንደፍ፣ ከምኡ’ውን ተምሪ ሙሳ በቲ ቅኑዕ መንገዲ ኣብ መዓላ ዝውዕለሉ ኩነታት ክፍጠር ዝብሉ ርእይቶታት ኣፍሲሶም።

ኣብ መወዳእታ፡ ንኹሎም መሻርኽቲ ናይ ምስጋና ወረቐት ምስክር፣ ንሃገራዊ ኮንፈደረሽን ሰራሕተኛታት ኤርትራ ድማ ስለ’ቲ ኣብነታዊ ኣበርክቶኡ፡ ፍሉይ ሽልማት ተዓዲሉ።

Categories