ኣምባሳደር ኤርትራ ኣብ ሪፓብሊክ ደቡብ ሱዳን ኣቶ ዮውሃንስ ተኽለሚካኤል፡ ብ20ን 21ን ሚያዝያ ምስ ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ፣ ሚኒስተር ኣባይትን መሬትን፣ ከምኡ’ውን ምስ ሚኒስተር ትምህርቲ ዞባ ማእከላይ ኤኳቶሪያል ሪፓብሊክ ደቡብ ሱዳን ተራኺቡ፡ ኣብ ምድንፋዕ ክልተኣዊ ዝምድናን ዞባዊ ውህደትን ዘትዩ።

ምስ ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ማዪክ ኣዪ ዴንግ ኣብ ዝተገብረ ርክብ፡ ኣምባሳደር ዮውሃንስ፡ ንታሪኻዊ ዝምድና ኤርትራን ደቡብ ሱዳንን ብምጥቃስ፡ ዞባዊ ውህደትን ሽርክነትን ንሰላምን ብልጽግናን ዞባናን ኣህጉርናን መሰረታዊ ስለዝዀነ፡ ኩለን ሃገራት ኣብ’ዚ መዳይ’ዚ ብዝለዓለ ክነጥፋ ኣገዳሲ ምዃኑ ገሊጹ።

ሚኒስተር ማዪክ ኣዪ ዴንግ ብወገኑ፡ ህዝብን መንግስትን ኤርትራ ንህዝብን መንግስትን ደቡብ ሱዳን ንዝገበርዎ ደገፍ ድሕሪ ምምጓስ፡ ነዚ ሕውነታዊ ዝምድና ናብ ቁጠባዊ ውህደትን ሽርክነትን ንምምዕባሉ ዘሎ ድሌትን ድልውነትን ኣረጋጊጹ።

ዞባዊ ውህደት፡ መተካእታ ዘይብሉ ኣማራጺ ምዃኑ ዝጠቐሰ ሚኒስተር ማዪክ፡ ሃገራት ኣፍሪቃ ብሓፈሻ ሃገራት ምብራቕ ኣፍሪቃ ድማ ብፍላይ፡ ኣብ ኣህጉራውን ዞባውን መጋባእያታት ሓባራውን ስሙርን መረዳእታን መርገጺታትን ክህልወን ከምዝግባእ ኣስሚሩሉ።

ኣምባሳደር ዮውሃንስ፡ ምስ ሚኒስተር ኣባይትን መሬትን ወ/ሮ ፍሎራ ጋብሪኤል ሎራ ድማ፡ ንክልቲኡ ወገን ኣብ ዘገድሱ ዛዕባታት ብሓፈሻ፡ ንጥፈታት ኤርትራዊ ማሕበረኮም ድማ ብፍላይ ተዘራሪቡ።

ሚኒስተር ፍሎራ፡ ንተራ ኤርትራውያን ኣብ ዳግመ-ህንጸትን ቁጠባዊ ገስጋስን ደቡብ ሱዳን ብምንኣድ፡ ምስ ዝምልከቶም ኣካላት ኰይና ጠለባቶም ንምምላእ ከምእትሰርሕ ኣረጋጊጻ።

ኣምባሳደር ዮውሃንስ፡ ምስ ሚኒስተር ትምህርቲ ዞባ ማእከላይ ኤኳቶሪያል ኣቶ ክሪስቶ ዘከሪያ ላዶ እውን፡ ኣብ ተመሳሳሊ ዛዕባ ከምዝዘተየ፡ ካብ ኤምባሲ ኤርትራ ኣብ ደቡብ ሱዳን ዝበጽሓና ሓበሬታ ገሊጹ።

Categories