ዓለማዊ መዓልቲ ዓሶ – 25 ሚያዝያ፡ “ዓሶ ንምጥፋእ ብዝለዓለ ንገስግስ’’ ብዝብል ቴማ፡ ብደረጃ ዞባ ማእከል ኣብ ንኡስ ዞባ በሪኽ ተዘኪራ።

ኣብ’ቲ ስነ-ስርዓት፡ ዳይረክተር ጨንፈር ሚኒስትሪ ጥዕና ዞባ ማእከል ዶ/ር ሙሉጌታ ሃይለ፡ ሕማም ዓሶ ብደረጃ ዓለም ሓደ ካብ’ቶም ቀተልቲ ሕማማት ምዃኑ፣ ብመሰረት ጸብጻብ ውድብ ጥዕና ዓለም፡ ኣብ 2020 ቊጽሪ በቲ ሕማም ዝተጠቕዑ ሰባት 241 ሚልዮን፣ መጠን ሞት ድማ ኣስታት 627 ሽሕ ከምዝነበረ ብምሕባር 95 ሚእታዊት ናይ መልከፍትን 96 ሚእታዊት ካብ መጠን ሞትን ከኣ – ኣብ ኣህጉርና ኣፍሪቃ ከምዝዀነ ገሊጹ።

ኣብ 2020 ብደረጃ ዓለም ዝተመዝገበ መጠን ሞት፡ ካብ’ቲ ቅድሚኡ ዝነበረ ዓመት ብልዕሊ 900 ሚእታዊት ከምዝዛየደ ዝሓበረ ዶ/ር ሙሉጌታ፡ እዚ ከኣ ንሓደገኛነት እቲ ሕማም ዘነጽር ብምዃኑ፡ ንምቊጽጻሩ ዕቱብን ዝተወሃሃደን ስጒምቲታት ክውሰድ ኣተሓሳሲቡ።

ኣብ’ቲ ጨንፈር ሓላፊ ፕሮግራም ምቊጽጻር ሕማም ዓሶ ኣቶ ክብረኣብ ተስፋሚካኤል፡ ካብ 2016 ክሳብ 2030 ሕማም ዓሶ ንምጥፋእ ንዝወጸ ስትራጂካዊ ራእይ ንምስማር፡ ዝተፈላለየ መደባት ይሰላሰል ከምዘሎ ኣረዲኡ።

ኣመሓዳሪ ንኡስ ዞባ በሪኽ ኣቶ ተስፉ ፍስሓጽዮን፡ ሕማም ዓሶ ንምውጋድ ብሚኒስትሪ ጥዕና ዝወጽእ መደባት ንምዕዋት ብዕቱብ ክሰርሑ ምዃኖም ሓቢሩ።

ኣብ’ቲ ዕለት፡ ሕማም ዓሶ ንምውጋድ ዝተኻየደ ንጥፈታት ዘብርህ ናይ ምልውዋጥ ተመኲሮ መሰናድኦ ተኻዪዱ።

Categories